ሙሁራን ንብልፅግና ሃገሮም ውፍያት ኮይኖም ይረባረቡ

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ሃገርና ሓደ ዓብዪ ሃገራዊ ውራይ ይሳለጥ ኣሎ። እዚ ዝሳለጥ ዘሎ ውራይ ኣብ ባህርዳር፣ኣምቦ፣ኣዲስ ኣበባ፣ጅግጅጋ፣ኣዋሳን ኣብ ካልኦትን እዩ። ቀንዲ መልእኽቲ ናይቲ ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ኣኼባ ሓሳብ ሙሁራን ብምክታት ዝደልደለትን ዝማዕበለትን ኢትዮጵያ ምህናፅ ንፅባሕ ዘይበሃል ዝብል መልእኽቲ ዝሰነቐ እዩ።

"ኣብ ህንፀት ሃገር ግደ ሙሁራን"እንታይ ክኸውንን ክመስልን ኣለዎ ንዝብል ሕቶ ብሙሉእነት ምላሽ ዝሃበን ዝህብን ዘሎ መድረኽ ዘተ እዩ።

ዕላማ እቲ ዘተ ብምትሕብባርን ብሓድነትን ሃገር ንምብልፃግ ሙሁራን ሰናይ ተርኦም ሒዞም ንክዋስኡን ንክጠናኸሩን ሕድሪ ኣለዎም ዝብል ኣመር እውን ኣለዎ። እወ ብርክት ዝበሉ ሃገራት ዝበልፀጉ ብመሪሕነት ምምንጫው ሓሳብ ሙሁራን እዩ።

ብዘተ ኣብ ሓደ ምርድዳእ በፂሖም ንዝተጀመረ ከይዲ ህንፀት ሃገሮም ግቡኦም ብኣግባቡ ንክዓሙ ወላዲት ሃገሮም ኢትዮጵያ ሃየ ትብሎም። ሙሁር ተማሂሩ ንዓርሱን ስድርኡን ክኸውን ግድን እዩ። ኩሉ ሙሁር እዚ ሓላፍነት ኣቐዲሙ ተረዲኡ ንቕድሚት ክስጉም ትፅቢት ይግበረሉ።

እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ሙሁራን ሉኣላዊነት ኢትዮጵያ ብኩለ መዳይ ንምፅናዕ ተራ መሪሕነት ሓሳብን ሞራልን ብተግባር ክፍፅሙ እውን ይግባእ። ብደም ዝተረጋገፀ ሉኣላዊነት ኢትዮጵያ ብብርቱዕ ተጋድሎ ዜጋታት ክፀንዕ ከምዘለዎን ሙሁራን ህዝቢ ናይ ምምራሕ፣ምንቃሕን ምፍላጥን ሓላፍነት ኣለዎም።

ኢትዮጵያውያን ኣብ ጉዳይ ሃገር ሓባራዊ ዛዕባ ክህልዎም ይግባእ። ስለዝኾነ ድማ ዝተረጋገዐትን ህንፀት ሰላም ዝረኣየላን ሃገር ክትህሉ ሙሁራን እሂን ምሂን ተበሃሂሎም ፍታሕ ከምፅኡ ከምዘለዎም ርዱእ ምዃኑ ክግንዘቡ ይግባእ።

ዘላቒ ሰላም ኣብ ምህናፅ ከምኡ እውን ሃገራዊ ምኽክር ብምድጋፍ ተሳትፎ ሙሁራን ብምርምርን ትንተናን ጎልቢቱ ክቕፅል ኣለዎ። ኣመራርሓታት ዩኒቨርሲትን ሙሁራንን ሓይሊ ሰብ ጥራሕ ምልማዕ ዘይኮነስ ዓቕሚ ዲፕሎማሲ እውን ክኾኑ ሃገሮም እትጠልቦ ውራይ እዩ። ሙሁራን ንብልፅግና ሃገሮም ውፉያት ኮይኖም እጃሞም የበርክቱ።

ሙሁራን ዝለምዐ ሙሁር ካብ ምፍራይ ብተወሳኺ ኣብ ዘፈር ግብርና ጠቓምን ፈታሒ ሕፅረታትን ኮይኖም ንስራሕቲ ምርምርን መፅናዕትን ከሳልጡ ሓላፍነት ኣለዎም።

ሙሁራን ኩለ መዳያዊ ጉዕዞ ብልፅግና፣ልምዓትን ሰላምን እውን ክውን ንክኾኑ እጃሞም ከሐይሉ ይግባእ። ኢትዮጵያ ናብ ልዑል ብራኸ  ንምብፃሕ ብምርብራብ፤ ኣብ ህንፀት መንግስትን ኣብ መሰረታዊ ሃገራዊ ጉዳያትን ሓባራዊ ምርድዳእ ንክፍጠር ዘይትካእ ተራ ከምዘለዎም ተረዲኦም ክምርሹ ኣለዎም። ኮይኑ እውን ሙሁራን ንብልፅግና ሃገሮም ውፍያት ኮይኖም ክረባረቡ ሃገሮምን ህዝቦምን ተስፋ ይገብረሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም