ልዕሊ 166 ሚልየን ብር ዝግመት ናውትታት ኮንትሮባንድ ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ - ኢዜአ ትግርኛ
ልዕሊ 166 ሚልየን ብር ዝግመት ናውትታት ኮንትሮባንድ ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ
ኣዲስ ኣበባ ፣ ታሕሳስ 22፣ 2015 ዓ/ም (ኢዜኣ) ኮሚሽን ጉምሩኽ ልዕሊ 166 ሚልየን ብር ዝግመት ናውትታት ኮንትሮባንድ ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ።
እቶም ናውትታት ካብ 14 ክሳብ 20 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም እዮም ተታሒዞም።
ካብ መንጎ እቶም ዝተትሓዙ፤ ኣልባሳት፣ ነዳዲ፣ እንስሳት፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ቡና፣ መድሓኒት፣ ተሽከርከርቲ፣ ኣፅዋራት ኲናት፣ ጫት፣ ዘይትን ናይ ዝተፈላለዩ ሃገራት ገንዘብን ከምዝርከብዎም እቲ ኮሚሽን ገሊፁ።