13/04/2015 መግለፂ ቅዋም ብተግባር

236
                                                                                                                    

ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልትታት ኣብዚ ኣብ ርእሰ ከተማና ኣዲስ ኣበባ ዘተ ተኻይዱ። እቲ ዘተ ብቐንዱ መናእሰይን ሙሁራንን ትግራይ ዘሳተፈ ዋዕላ እዩ ኔሩ።
ዋና ነጥቢ ትሕዝቶ ናይቲ ዘተ መናእሰይን ሙሁራንን ተወለድቲ ክልል ትግራይ ኣብ ጉዕዞ ለውጢ ኢትዮጵያ፣ኣተገባብራ ስምምዕ ሰላምን ዳግመ ህንፀት ክልል ትግራይን ከምኡ እውን ልምዓት ሃገር ንምርግጋፅ ዝህልዎም ተራ ብዝምልከት እዩ ኔሩ።
ኣብቲ ዘተ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራዊ ለውጢ ዘሳለጦም ተግባራትን ሕዚ ስምምዕ ሰላም ንምፍፃም ዘለዎ ድልውነትን ብዝምልከት መብርሂ ተዋሂቡ እዩ። መንግስቲ ፖለቲካዊ፣ማሕበራውን ኢኮኖሚያውያን ፀገማት ካብ ሱሮም ንምምሓው ስራሕቲ ሪፎርም ብብቕዓት እናሳለጠ ምዃኑ መረዳእታ ቀሪቡ እዩ። እቲ ሓቂ እዚ እንትኾነ እውን ነዚ ዕድል ብተግባር ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ዕንቅፋት ኣይጠፍኣን። ኣብ ከይዲ እቲ ለውጢ ውሽጣውን ግዳማውን ፀገማት ተራእዮም እዮም።
ካብኣቶም እቲ ሓደ ድማ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ኲናት ነይሩ። ብርግፅ መንግስቲ እቲ ኲናት ከይውላዕን ንሰላም ብዘለዎ ቅዋምን ሽማግለታት ውሽጢ ዓዲ ሓርዩ ኣብ ትግራይ ሰላም ከይተዘረገ ንኽፀንሕ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ኣካይዱ እዩ። እቲ ኲናት ምስተወለዐ እንተኾነ እውን ንሰላም ቀዳምነት ሂቡ ብርቱዕ ስራሕ እናሰርሐ እዩ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ስምምዕ ሰላም ንኽግበርን ንክኽተምን ብዝገበሮ ፃዕሪ ስምምዕ ሰላም ኣብ ፕሪቶርያ ተኸቲሙ እዩ። ነዚ ስዒቡ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ብዘይምትእጉጓል ብምፍፃም ንቕድሚት እናገስገሰ እዩ። ብሰንኪ እቲ ኲናት ጉድኣት ዝበፅሖም ከባብታ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ዓንቀፍቀፍ ንኽበፅሕ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ባንኪ፣መብራህትን ስልክን ንክጅምሩ ብርቱዕን ዘየቋርፅን ስራሕ እናሰርሐ እዩ።
ነዚ ኣቐዲሞም ዝተገንዘቡ ተሳተፍቲ ዋዕላ ሰለስት መዓልቲ መናእሰይን ሙሁራንን ትግራይ፤ መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንምምፃእን ልምዓት ንምርግጋፅን ዝገብሮ ዘሎ ስራሕ ንኢዶም።
መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ እናሳለጦም ዘለው ሰናይ ተግባራት መርኣያ ምፅናዕ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ምዃኖም ብዝበለፀ ድማ ህዝቢ ትግራይ ናብ ምቕሳን ገፁ ከምዘምረሐ ሓቢሮም።
ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ሕዚ ኲናት ዝሽከመሉ እንግዳዕ የብሉን። ኮይኑ እውን ፀረ ውዕል ስምምዕ ሰላም ዳግማይ ክይጥጥዕ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኮይኑ ዋርድያ ሰላም ክኸውን ከምዝግባእ ሕድሪ ኢሎ።
ብወገኖም ድማ እቲ ዝተገለፀ ከምዘሎ ኮይኑ ንህዝቢ ትግራይ ብምትሕብባር ኣጆኻ በርትዕ ብምባልን ንዝተረኸበ ሰላም ብምፅናዕን ናይ ባዕሎም ኣበርክቶ ንምውፋይ ድልዋት ምዃኖም ገሊፆም እዮም። ወገናዊነቶም እውን ኣመስኪሮም።
በዚ ጥራሕ እውን ኣየብቅዑን ሸሞንተ ነጥቢ ዘለዎ መግለፂ ቅዋም ብምውፃእ ነቲ ዋዕላ ዛዚሞምዎ።
መንግስቲ ንሰላምን ልምዓትን ሃገር ጠጠው ዝበለ ምዃኑ ኣረጋጊፆም። ፃዕሪ መንግስቲ ንክዕወት ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጠጠው ክንብል ኢና ኢሎም። ክልል ትግራይ ሕዚ ንዝተረኸበ ኣንፃራዊ ሰላም ዘላቒ ኣብ ምግባርን ሃገራዊ ለውጢ ተጠቃም ክኸውንን ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።
ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ መናእሰይ ካብ ኣተሓሳስባ ኲናትን ዕንወትን ተናጊፉ ናብ ልምዓት ገፁ ንክወፍር ናይ ምግንዛብ ስራሕን ሓላፍነትን ከምዘለዎም ኣብ ቅዋሞም ኣቐሚጦም።
ኲናት ከብቅዕ፣ኣፈላላይ እንተሃልዩ ብዘተ ንምፍታሕን ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ጉዕዞ ልምዓት ንምርግጋፅን ከምዝሰርሑ እቶም ተሳተፍቲ ኣስሚሮምሉ።
ሃገራዊ ለውጢ ኣብ ክልል ትግራይ ተግባራዊ ንክኸውን ህዝቢ ብምትሕብባር ኢትዮጵያ ናብ ዝለዓለ ብራኸ ንምስግጋር ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ኣብ መግለፂ ቅዋሞም ኣረጋጊፆም።
ኢትዮጵያውያን ሓድነትና ብምሕላው ንልምዓት ሃገርን ዘላቒ ሰላምን ብሓባር ክንሰርሕ ይግባእ ብምባል ኣፅንኦት ሂቦም ተዛሪቦም።
መግለፂ ቅዋም ውዕሎ ዘተ ሰለስተ መዓልቲ እዚ ካብ ኮነ፤ ንተግባራዊነቱ ድማ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ትፅቢት ይግበር።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም