ሓለዋ ኸበቢ
ኣፍሪካ ክሌማዊ ለውጢ ንምፅዋርን ንምክልኻልን ናይ መከሓሓሲ በጀት ከምዘድልያ ልምዓት በይነ መንግስታት  ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ኣፍሊጡ።
Aug 29, 2023 333
  ኣዲስ ኣበባ/ ነሓሰ/23/ 2015 /ኢዜአ/ኣፍሪካ ለውጢከባብያዊ አየር ንምፅዋርን ንምክልኻልን ናይ መከሓሓሲ በጀት ከምዘድልያ ልምዓት በይነ መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ኣፍሊጡ። ለውጢከባብያዊ አየር ንምክልኻል ኣፍሪካ ትመርሖ በዓል ብዙሕ ወገን ምትሕብባር ከምዘድሊ እውን ኣገንዚቡ፡፡ ብዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) ዝምራሕ ልኡኽ ኣብ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ አየር ኣፍሪካ ክሳተፍ ኢዩ፡፡ ኣፍሪካ ንወሰኽ ሙቐት ዓለም ተበርክቶ ኣስተዋፅኦ ኣብዚ እቶ ዝይባሃል እንትኮነ እውን ምስ ለውጢ ከባብያዊ አየር ዝተተሓሓዙ ሓደጋታት እናተጠቕዐት ምፅናሓ ትኹረት ብምግባር ንጉድኣታ ዝግባእ መከሓሓሲ ክትረክብ ትፅቢት ከምዝግበር ካብ ኣቐባሊ ቃል ኢጋድ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡ ጉባኤ ለውጢከባብያዊ አየር ኣፍሪካ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 4 ክሳብ 8 መስከረም 2023 ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ክካየድ ኢዩ፡፡
ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ወረዳ ተሁለደሬ ስራሕቲ ፃህያይ ሕርሻ ዝራእቲ ሓረስቶት ኣሳሊጦም
Aug 24, 2023 331
  ደሴ/ነሓሰ 18/2015 (ኢዜኣ) ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሕጊ ካብ ምኽባር ብተወሳኺ ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ወረዳ ተሁለደሬ ስራሕቲ ፃህያይ ሕርሻ ኣዝርእቲ ዓቕሚ ዘይብሎም ሓረስቶት ኣሳሊጡ። ኣብ ህፁፅ እዋን ኣዋጅ ላዕለዋይ መምርሒ እዚ ኮማንድ ፖስት ሪጅን ምብራቕ ኣምሓራ ኣካቢ ኮማንድ ፖስት ዞባ ደቡብ ወሎን ከተማ ደሴን ብርጋዴል ጀነራል ዘውዱ ሰጥኣርጌ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ልኣላዊ ግዝኣትን ሕግን ካብ ምኽባር ብተወሳኺ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ነቲ ሕብረተሰብ ብምሃብ እዩ ዝፍለጥ። ̎ንስራሕ ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ ከባቢ ኩሉ መንበሪ ዓቕሚ ዘይብሎም ብምሕዳስ፣ዝራእቲ ሓረስቶት ብምፅሃይ፣ዝበፅሑ ዝራእቲ ብምዕፃድን ብምእካብን ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ስራሕቲ ልምዓት ብምስታፍ ህዝባዊነቱ ብተግባር እናረጋገፀ ይርከብ̎ኢሎም። ኣብ ወረዳ ተሁለደሬ ስራሕቲ ፃህያይ ሕርሻ ኣዝርእቲ ዓቕሚ ዘይብሎም ሓረስቶት ምስላጦም ብምግላፅ፤ እቶም ዝራእቲ እንትበፅሑ እውን ንምዕፃድን ንምእካብን እቲ ሰራዊት ድሉው ምዃኑ ኣረጋጊፆም። ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ እውን 23 ኪሎ ሜትሮ መንገዲ ፀፀር ናብ ኣስስፓልቲ ንምቕያርን ኣብ ወረዳ ሳይንት ብ400 ሽሕ ብር ሓደ ቤት ትምህርቲ ብርኪ ንምምሕያሽን ከምዝተለመ እውን ተዛሪቦም። ኣባል እቲ ሰራዊት ዝኾነት ወታደር ትብለፅ ጌታቸው ከምዝበለቶ፤ ̎ንሕና ካብ ዝተፈላለዩ ብሄር ብሄረሰባት ዝተውፃእፃእና ደቂ ህዝቢ ስለዝኾንና ጎድና ጎድኒ ምኽባር ሕጊ ነቲ ሕብረተሰብ ብምግልጋል ህዝባዊነትና ብተግባር እናረጋገፅና ኢና̎ኢላ። ሕጊ ንምኽባር ኣብ ዝኸድናሉ ኩሉ ከባቢ ህዝብና ብጉልበትና እውን ብምግልጋል ፍቕርና ብተግባር እናርኣይና ኢና ዝበሉ ድማ ሻለቃ መላኩ ቶላ እዮም። ምክትል ሓላፊ መምርሒ ግብርና ዞባ ደቡብ ወሎ ኣይተ ደመቀ ኣድማሱ ብግደኦም፤ ሰራዊት ምክልኻል ሕጊ ካብ ምኽባር ብተወሳኺ በቶም ዘሳልጦም ዘሎ ስራሕቲ ደገፋት ህዝባዊነቱ እናረጋገፀ እዩ ኢሎም። ሓረስታይ ወረዳ ተሁለደሬ ጣብያ 08 ኣይተ መሓመድ ዓሊ፤ ኣብ እዋን ክረምቲ ዘልምዕዎ ሕርሻ ስርናይን ጣፍን ብምኽንያት ጥዕና ምስኣን ከይተፀሃየ ምፅንሑ ብምግላፅ ሰራዊት ምክልኻል እቲ ሕርሸኦም ምፅሃዩ ከምዝተሓጎሱን እቲ ሰራዊት እውን ውላድ ህዝቢ ምዃኑ መርኣያ ምዃኑን ገሊፆም።
"ትግበራ ሓምለዋይ አሰር ኢትዮጵያ ንሃገራት ኣፍሪካ ትምህርቲ ዝህብ 'ዩ"- ታቢ ጆዳ ኣምባሳደር ዘፈር ሓምለዋይ ልምዓት ሕብረት ኣፍሪካ
Aug 23, 2023 380
  አዲስ አበባ/ነሓሰ/17/2015/ኢዜአ/ ኣብ ዓለም እናወሰኸ ንዝመፅአ ለውጢ ነባሪ ኣየር ንምፅዋር ኢትዮጵያ እናተግበረቶ ትርከብ ሓምለዋይ አሰር ንሃገራት ኣፍሪካ ትምህርቲ ዝህብ ከምዝኾነ ሚኒስትራት ሓለዋ ከባቢ ኣፍሪካ ገሊፆም። ሓምለዋይ አሰር ኢትዮጵያ ንሃገራት እቲ ከባቢ 'ውን ዝጠቅም ከምዝኾነ በዓልመዚ ሓለዋ ከባቢ ኡጋንዳ ኣፍሊጡ። ኣምባሳደር ዘፈር ሓምለዋይ ልምዓት ሕብረት ኣፍሪካ ታቢ ጂዳ ከምዝተዛረብዎ፤ ኢትዮጵያ እናተግበረቶ ትርከብ ሓምለዋይ አሰር ኣብ ሓለዋ ከባቢ ንዝሰርሓ ኩለን ሃገራት ዝኸውን ውፅኢት ጠቓሚ ተመኩሮ ዝተረኸቦ 'ዩ። ሃገራት ኣፍሪካ ድርቅን በረኻነትን ንዘስዕቦ ጉድኣት ንምንካይ ኣብ ሓምለዋይ አሰር ሓደሽቲ ስራሕቲ ክሰርሓ ኣለወን ዝበሉ ኣምባሳደር ታቢ፤ ናብ ሓደጋ ምዝባዕ ነባሪ ኣየር ተቓላዕቲ ዝኾና ሃገራት ብዕርቃን መሬት ንዝበፅሐን ፀገም ንምክልኻል ንመንገዲ ኢትዮጵያ ክስዕባ ይግባእ ኢሎም። ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ዓሻራ ዘርአየቶ ምልዕዓል ክምስገን ዝግብኦ ከምዝኾነ ሓቢሮም፤ ልክዕ ከም ኢትዮጵያ መራሕቲ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ንነባሪ ኣየር ግቡእ ጠመተ ክህቡ ከምዝግባእ በዓልመዚ ሓለዋ ከባቢ ኡጋንዳ.አገንዚቦም ።
ካልኣይ ምዕራፍ ቀዳማይ ዓመት መርሃ ግብሪ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ክሳብ ሕዚ 7 ነጥቢ 3 ቢሊየን ፈልሲታት ከምዝተተኸሉ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ፡፡
Aug 23, 2023 341
  ኣዲስ ኣበባ/ ነሓሰ/17 /2015 /ኢዜአ/ካልኣይ ምዕራፍ ቀዳማይ ዓመት መርሃ ግብሪ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ክሳብ ሕዚ 7 ነጥቢ 3 ቢሊየን ፈልሲታት ከምዝተተኸሉ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ፡፡ ኣብቲ ሚኒስቴር መራሒ ፈፃሚ ስራሕ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ ሓለዋን ኣጠቓቕማን ኣይተ ተፈራ ታደሰ÷ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ዝተወገኑ ስራሕቲ ተሞክሮ ብምውሳድን ክፍተታት ብምምላእን ኣብዚ ዓመት ዕዉት ስራሕ ከምዝተሰርሐ ኣብሪሆም፡፡ ብምዃኑ ኣብ ኩለን ክልላት ምምሕዳር ከተማታትን እኹል ምድላው ብምስርሑ÷ ክሳብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝተኣከበ ሓበሬታ ልዕሊ ትልሚ ምዕዋት ከምዝተኽኣለ ገሊፆም፡፡ ክሳብ ሕዚ ዝተተኸሉ ፈልሲታት÷ ንደኒ ዝኾኑ፣ ኣርቃይ፣ ኩለመዳይ ጥሙር ሕርሻ ደኒ፣ ፍረምረ ን ፈልሲታት ስነ-ፅባቐን ከምዝኾኑ እውን ተዛሪቦም። ኣብቲ ስራሕ ብዙሓት ክፋላት ሕብረተሰብ ከምዝተሳተፉ ዝበሓሩ ኣይተ ተፈራ ብ53 ነጥቢ 3 ሚሊየን ምልልሳት 7 ነጥቢ 3 ቢሊየን ፈልሲታት ከምዝተተኸሉ ኣረጋጊፆም፡፡
ብሰንኪ ባርዕ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ክትእውጅ ዝተገደደት ግዝኣት-ቀፃሊ ፍታሕ  ዓለም ሓምለዋይ አሰር ምንባር ዶ የከውን ?
Aug 19, 2023 419
አዲሰ አበባ /ነሓሰ/13/2015/ኢዜአ/ ኣብ ካናዳ እትርከብ ግዝኣት ምዕራባዊ ብሪቲሽ ኮሎምብያ፡ ያልርዕ ሓዊ ብዙሓት መንበሪ ኣባይቲ ከየዕኑ ስግኣት ስለዘሎ ህጹጽ ኣዋጅዊጃ። ኣመሓዳሪ እታ ግዝኣት ዴቪድ ኤቢ እቲ ባርዕ ኣዝዩ ቅልጡፍ ካብምዃኑ ዝተልዓለ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት መዓልትታት ንምዐጋት አፀጋሚ ኩነታት ክፍጠር ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ’ሎ። እቲ ኣብ ማክዱጋል ክሪክ ዝተኸሰተ ባርዕ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ካብ 64 ሄክታር ናብ 6 ሽሕ 8 ሚኢትን ሄክታር ከምዝሰፍሐ ተፈሊጡ። ኣስታት 4800 ሰባት ካብቲ ከባቢ ክርሕቑ መምርሒ ተዋሂብዎም ኣሎ። ብተመሳሳሊ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ካናዳ ዝቕመጡ ኣስታት 22 ሽሕ ሰባት ብሰንኪ ሓደጋ ባርዕ ካብ ቤቶም ተመዛቢሎም ኣለው። ነበርቲ እታ ከተማ ብነፋሪትን መኻይንን ተጠቒሞም ክወጽኡ ክወጽኡ ተራእዮም። እቲ ኣብ ካናዳ ዘጋጥም ዘሎ ባርዕ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ካብ ዝተኸሰቱ ሓደጋታት እቲ ዝኸፍአ ከምዝኾነ ይግለጽ። “ኣብዚ ዓመት እቲ ዝሓየለ ሓደጋ ባርዕ’ዩ ገጢሙና ዘሎ” ዝበለ ኣመሓዳሪ እታ ግዝኣት፡ “ናህሪ ናይቲ ሓደጋ ባርዕ ኣብ ግምት ኣእቲና ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጅና ኣሎና” ኢሉ። እቲ ኣመሓዳሪ ብተወሳኺ “ሕብረተሰብ ንምርዳእ ዘለና ሜላታት ንጥቀም ኣለና” ኢሉ። ብዙሓት ሰባት ካብቲ ከባቢ ክወጽኡ ከምዝተገበረ ዝሓበረ ኤቢ፡ “ነበርቲ ኣገዳሲ ዘይኮነ ምንቅስቓስ ደው ንከብሉ ዘቕረብናዮ መጸዋዕታ ዘየኽብሩ እንተድኣኾይኖም ግን ኣብቲ ኣዋጅ ናይ መገሻ ገደባት ክግበር ይኽእል’ዩ” ኢሉ። ሓደ ንቢቢሲ ቃለ መሕትት ዝሃበ ነባሪ ኬሎዉና፡ እቲ ባርዕ ብጎቦታት ከምዝመጽአን ልክዕ ከምዚ ደበና ተመሲሉ ምምጽኡ ገሊጹ። ሓላፊ ምክልኻል ሓደጋ ባርዕ ምዕራብ ኬሎዉና ጃሶን ብሮሉንድ ነቲ ኩነታት ኣዕናዊ ክብል ገሊጽዎ። ክሳብ ሕጂ ዘጋጠመ ናይ ሞት ሓደጋ የለን። ኣብታ ከተማ ዝርከብ ዓለም ለኻዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ብጀካ ንምክልኻል ሓደጋ ባርዕ ዘገልግላ ነፈርቲ ኩሉ ዓይነት ኣገልግሎት ደው ከምዘበለ ተፈሊጡ። ከምቱ ከማና ሓምለዋይ አሰር ምንባር ዘየማትእ እዩ።
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ንዘላቒ ሓለዋ ማይ ብዘለዎ ረብሓ ሃገራት ከም መርኣያ ክወስደኦ ይግባእ-ሚኒስቴር ማይን ኢነርጅን
Aug 14, 2023 466
  ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 8/2015 (ኢዜኣ) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ንዘላቒ ሓለዋ ማይ ብዘለዎ ረብሓ ሃገራት ከም መርኣያ ወሲደን ክትግብርኦ ከምዝግባእ ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ኢንጂነር ሃብታሙ ኢተፋ ገሊፆም። እቶም ሚኒስትር ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ካብ 2011 ዓ/ም ጀሚሩ እናተተግበረ ዘሎ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንዘላቒ ሓለዋ ማይ ልዑል ረብሓ ኣለዎ። እቲ መርሃ ግብሪ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋርን ንሓለዋ ሃፍቲ ማይን ብዘለዎ ረብሓ ካልኦት ሃገራት ከም መርኣያ ክወስደኦን ክትግብርኦን ከምዝግባእ ሓቢሮም። እቲ ሚኒስቴር ምስ ካልኦት ተፀዋዕቲ ትካላት ብምትሕብባር ስራሕቲ ሓለዋ ሃፍቲ ማይ ውፅኢታዊ ንክኾኑ ዘኽእሉ ስራሕቲ መፅናዕትን ምርምርን እናካየደ ምዃኑ እውን ተዛሪቦም። ኢትዮጵያ ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 25 ቢልዮን ፈልስታት ከምዝተኸለት ዝዝከር እንትኸውን ኣብ 2ይ ምዕራፍ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እውን 25 ቢልዮን ፈልሲ ንምትካል ብምትላም ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን ክረምቲ ልዕሊ 6 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልስታት ንምትካል እናተሰርሐ ይርከብ።
ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 16 ሚልዮን ፈልስታት ተተኺሎም
Aug 14, 2023 467
  ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 8/2015 (ኢዜኣ) ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 16 ሚልዮን ፈልስታት ከምዝተተኸሉ ቢሮ ልምዓት ሓምለዋይን ፀባቐ ከተማን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ። ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ 1 ሰነ 2015 ዓ/ም ̎ፅባሕ ሎሚ ንትከል̎ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ 2ይ ምዕራፍ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ክልል ዓፋር ከምዘጀመሩ ዝዝከር እየ። ኣብዚ መርሃ ግብሪ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 17 ሚልዮን ፈልስታት ንምትካል ዝተተለመ እንትኸውን ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 16 ሚልዮን ፈልስታት ከምዝተተኸሉ ቢሮ ልምዓት ሓምለዋይን ፅባቐ ከተማን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ። ኣማኻሪ ቴክኒክ እቲ ቢሮን ተወካሊ ዳይሬክተር ልምዓት ተፋሰስን ሓምለዋይን ስንታየሁ መንግስቱ፤ ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ምስላጥ ዘኽእሉ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ብምስላጥ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ገሊፆም። እቲ ቢሮ ስራሕቲ ዝተተኸሉ ፈልስታት መጠን ፅድቀቶም ምክትታልን ዘይፀደቑ ድማ ዳግማይ ምትካልን ከሳልጥ ኣለዎ ኢሎም።
ወራር ዕስለ ኣንበጣ ንምክልኻል ብርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ዝምራሕ ሓይሊ ዕማም ብምጥያሽ ስራሕ ከምዝጀመረ ተገሊፁ
Aug 14, 2023 488
ኣዲስ ኣበባ/ ነሓሰ/8/ 2015 /ኢዜአ/ኣብ ክልል ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ንምክልኻል ብርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ዝምራሕ ሓይሊ ዕማም ብምጥያሽ ስራሕ ከምዝጀመረ ተገሊፁ። ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣብ ዞባታት ምብራቕ፣ ደቡብ ምብራቕን ደቡብን ትግራይ ሓያል ዕስለ ኣንበጣ ከምዘሎ ኣብሪሆም። ኣይተ ጌታቸው ረዳ ከም ዝሓበርዎ÷ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ወራር ኣንበጣ ንምክልኻል ዘኽእል ሓይሊ ዕማም ተጣይሹ ናብ ስራሕ ክኣቱ ተገይሩ ኣሎ። እዚ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ኣንበጣ÷ ብርክት ዝበላ ኣብያተ ዕዮታት ግዚያዊ ምምሕዳር ዝሓቖፈ ከምዝኾነን ናይ ባዕሉ ትልሚ ኣውፅኡ ናብ ተግባር ክኣቱ ኣንፈት ከምዝተነፀረን ገሊፆም። ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ዝተርኣየሎም ሰለስተ ዞባታት ብዝተጠናኸረን ብዝተወደበን መንገዲ ምክልኻል እናተገበረ ምዃኑ ዝሓበሩ ኣይተ ጌታቸው ህዝቢ ዞባታት ምብራቕ፣ ደቡብ ምብራቕን ደቡብን ዘካይዶ ንዘሎ ዝተወደበ ምክልኻል ዘለዎም ናእዳ ገሊፆም። “ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ቀፃሊ እውን ስፍሓቱን መጠኑን ክውስኽ ስለዝኽእል ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዘሎ መሪሕነት ቀንዲ ውራዩ ምክልኻል እዚ ዕስለ ክኸውን ኣለዎ” ክብሉ ኣገንዚቦም። እቲ ሕዚ ተራኢዩ ዘሎ ይኹን ቀፂሉ ክመፅእ ዝኽእል ዕስለ ኣንበጣ ብዝግባእ ንምክልኻል ምስ መንግስቲ ፌዴራል ተሓባቢርካ ምስራሕ ከምዘድሊ ዝሓበሩ እቶም ርእሰ ምምሕዳር ማሕበረሰብ ዓለም እኹል ድጋፍ ንኽገብር ከምዝስራሕ ምግላፆም ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ኣብ ዞባ ደቡብ ክልል ትግራይ ኣብ መዳይ ወፍሪ ምስሳን ምህርቲ ሕርሻን ምዕዋት ክረምታዊ መደባትን ዝጥምት መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ ።
Aug 11, 2023 442
  ኣዲስ ኣበባ/ ነሓሰ/5/ 2015 /ኢዜአ/ኣብ ዞባ ደቡብ ክልል ትግራይ ኣብ መዳይ ወፍሪ ምስሳን ምህርቲ ሕርሻን ምዕዋት ክረምታዊ መደባትን ዝጥምት መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ ። ኣብቲ መድረኽ ኣብ መዳይ ብርሰት ኣግራብ፣ ጨፍጫፍ ደንን ሳዕቤናቱን ዝጥምቱ ፀብፃባት ንምይይጥ ቐሪቦም ብዑምቆት ከም ዝተዘተየሎምን ተሓቢሩ። ሓላፊ ዘፈር ስግግር ዕቤት ቑጠባ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ በየነ መኩሩ፥ እቲ መድረኽ ኣብ ልዕሊ ሃፍቲ ተፈጥሮን ልምዓት ደንን ዝበፅሕ ዘሎ ዕንወትን ብርሰትን ንምቁፅፃር ወሳኒ ግደ ኣለዎ ኢሎም። እቲ መደብ ንክዕወት ድማ ኩሎም ዓቕምታት ኣዋዲድካን ኣሳቲፍካን ምስራሕ ከምዘድሊ ምሕባሮም ተገሊፁ። “ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኣዕናዊ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሃፍቲ ተፈጥሮና ከቢድ ጉድአት ኣብፂሑ እዩ፤ በዚ እውን ኣዝዩ ትሑት ቑጠባ እዩ ዘለና” ዝበሉ እቶም ሓላፊ፥ ካብዚ ንምንጋፍ ዕቱብ ዝኾነ ስራሕ ከስራሕ ከምዝግባእ ሓቢሮም። ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ፥ ኣብ ሕሉፍ ዓለምለኸ ሞገስን ኣፍልጦን ረኺብናሉ ዝነበረ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ብሰንኪ ኲናት ከቢድ ሃሰያ በፂሕዎ ቑጠባና እውን ተዳኺሙ እዩ ኢሎም። ነዚ ናብ ንቡር ንምምላስ ኣብ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ትኹረት ሂብካ ምስራሕ ከምዘድሊ መግላፆም ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ኣብቲ መድረኽ ኣመራርሓን ሰብሞያን ሕርሻ፣ ኣካላት ፀጥታ፣ ዓቀብቲ ሕጊ፣ ዳያኑ፣ ኣመራርሓ ወረዳን ጣብያታትን ከምኡውን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ምስታፎም ተሓቢሩ።
ንብሄራዊ ፓርኪ እምባታት ባሌ ኣብ ዩኔስኮ ንምምዝጋብ ኣብ መወዳእታ ምዕራፍ ተበፂሑ
Aug 1, 2023 383
  አዲስ አበባ /ሓምለ/25/2015/ኢዜአ/ ንብሄራዊ ፓርኪ ባሌ ተራሮች ኣብ ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህልን ሕቡራት መንግስታት (ዩኔስኮ) ቅርሲ ዓለም ንምምዝጋብ ኣብ መወዳእታ ምዕራፍ ከምዝተበፅሐ ተገሊፁ። ኣብ በዓልመዚ ሓለዋ እንሰሳ ዘገዳም ኢትዮጵያ መራሒ ስራሕ ፈፃሚ ምምሕዳር ብሄራዊ ፓርኪታት ዶክተር ኣዳነ ፀጋዬ ንትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ከምዝተዛረብዎ፤ ንብሄራዊ ፓርኪ ባሌ ተራሮች ብዓለም ለኸ ቅርስነት ንምምዝጋብ ዝሕግዙ ኣድለይቲ ሰነዳት ናብ ዩኔስኮ ቀሪቦም። ዩኔስኮ ዝለኣኾም ሰብሞያታት ናብ ብሄራዊ ፓርኪ ባሌ ብምኻድ ናብ ትካሎም ዝተልኣኸ ሰነድ ምስ ነባራዊ ኩነታት እቲ ፓርኪ ብምንፅፃር ክስተኻኸሉ ኣብ ዝግብኦም ጉዳያት ርኢቶ ሂቦም ክብሉ ተዛሪቦም። ብመሰረት እቲ ርኢቶ ነቲ ፓርኪ ዝግብኦ ሓለዋን ምስ ዘይሕጋዊ ስራሕቲ ሃደንን ተተሓሒዙ ኣድላዪ ስጉምቲ እናተወሰደ ከምዝርከብ ገሊፆም። ዘይሕጋዊ ሃደንን ሰፈራን ነቲ ፓርኪ ኣብ ዩኔስኮ ንምምዝጋብ ንዝተጀመረ ፃዕሪ ንከየሰናኽል ምስ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ብምውዳድ መፍታሒ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝርከቡ ሓቢሮም። ኣብ ቀረባ ምስ ክልል ኦሮሚያ ብምትሕብባር ብምክትል ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ዝምራሕ ኮሚቴ ተጣይሹ መፍትሒ መማረፅታት ንምምልኻት ዝሕግዝ ምኽክር ከምዘካየደ አመልኪቶም።
ምብራቕ እዝ  ድሕንነት ህዝብን ሃገርን ካብ ምርግጋፅ ሓሊፉ ንዕውትነት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ አሰር ግቡኡ ይፍፅም ከምዘሎ ተገሊፁ
Jul 28, 2023 330
አዲስ አበባ /ሓምለ/21/2015/ኢዜአ/ ድሕንነት ህዝብን ሃገርን ካብ ምርግጋፅ ሓሊፉ ንዕውትነት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ አሰር 'ውን ጠመተ ብምሃብ ላዕለዎት ኣመራርሓታትን ኣባላት ስታፍን እቲ እዚ ኣብ ከባቢ መንበሪን ካምፕን ብርክት ዝበሉ ሃገር በቆል ፈልስታት ከምዝተኸሉ ሜጄር ጄኔራል ፍቃዱ ፀጋዬ ተዛሪቦም። ብብርኪ ሃገር እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ አሰር ኣባላት እቲ እዚ ንምግብነት ዝውዕሉ ኣትክልትታት ብምትካል ኣብ ቀፃሊ ዓርሱ ምጥቃም ንክኽእል ኣድላዪ ክንክን እውን እናገበረ ከምዝርከብ ኮሎኔል ንጋቱ ኣዱኛብግዲኦም ገሊፆም። ብተዛማዲ ኮሎኔል ሃሰን ሰይድ እቲ ሰራዊት ጎጎ ጎኒግቡእ ስርሓቱ ዝተፈላለዩ ንምግቢ ዝውዕሉ ኣትክልትታት ካብ ምትካል ብተወሳኺ ኣብ ምክንኻን ጠመተ ከምዝገበረ ገሊፆም። ካብ እዚ ሓሊፉ ሳሓባይ ማራኽን ምችውን ከባቢ ስራሕ ንምፍጣር ዝዕድም እዩ ኢሎም።
ብመተሓባበሪነት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ኣሶሳ ስራሕቲ ሰናይ ፍቓድ ክረምቲ እናተኻየዱ እዮም
Jul 27, 2023 325
  ኣሶሳ/ሓምለ 20/2015 (ኢዜኣ) ብመተሓባበሪነት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ጉጅለ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝን ፌዴራልን ስራሕቲ ሰናይ ፍቓድ ክረምቲ ኣብ ኣሶሳ እናካየደ እዩ። ዕላምኡ ድማ ሃገራዊ ሓድነት ምጥንኻር ምዃኑ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ካቢኔን መተሓባበሪ እቲ ጉጅለን ኣይተ ተስፋዬ ዳባ ንኢዜኣ ገሊፆም። እቲ ሃገራዊ ፕሮግራም ትልሚ ስራሕ ሰናይ ፍቓድ ክረምቲ እቲ ክልልን ሃገርን ንምዕዋት ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን ተዛሪቦም። እቲ መርሃ ግብሪ፤ ኣብ መንጎ ሕብረተሰብ ምትሕስሳብን ሓባራዊነትን ከምዘጠናኽር ኣረዲኦም። እቲ ጉጅለ፤ ኣካል 2ይ ምዕራፍ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝኾነ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ከተማ ኣሶሳ ጎቦ ኢንዚ ኣሳሊጡ። ከምኡ እውን ኣብ ከተማ ኣሶሳን ከባቢኡን ዝርከቡ ዓቕሚ ናይ ዘይብሎም ወገናት ሕድሳት መንበርታትን ህንፀት ቤት ትምህርትን ከጀምር እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።
 ኣብ ሮም ጣልያን እናተኻየደ ምስ ዝርከብ ስሩዕ ኣኼባ ጉባኤ ስርዓት ምግቢ ዓለም ጎናጎኒ ኣብ መንጎ ቱርክን ኢትዮጵያን ስራሕቲ ሓለዋ ከባቢ ንምጥንኻር ዘኽእል ዘተ ተገይሩ።
Jul 25, 2023 318
  አዲስ አበባ/ሓምለ/18/2015/ኢዜአ/ ኣብ ሮም ጣልያን እናተኻየደ ምስ ዝርከብ ስሩዕ ኣኼባ ጉባኤ ስርዓት ምግቢ ዓለም ጎናጎኒ ኣብ መንጎ ቱርክን ኢትዮጵያን ስራሕቲ ሓለዋ ከባቢ ንምጥንኻር ዘኽእል ዘተ ተገይሩ። ኣብቲ ጉባኤ እናተሳተፉ ዝርከቡ ዋና ዳይሬክተር በዓልመዚ ሓለዋ ከባቢ ኢትዮጵያ ዶክተር ጌታሁን ጋረደው ምስቲ ስሩዕ ኣኼባ ጎናጎኒ ምስ ዋና ዳይሬክተር ኣውሮፓን ርክብ ወፃእን ቱርክ ፉኣት ካሳሚካን ስርዓት ሓለዋ ከባቢ ንምጥንኻር ዘኽእል ምኽክር ኣካይዶም። እቲ ዘተ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ምትሕብባር ንምፍጣር ኣብ ዝሕግዙ ጉዳያት አብ ሓለዋ ከባቢ፣ ኣተሓሕዛ ኬሚካልን ሓደገኛ ጉሓፍን፣ ብኽነት ፍርያት ምግቢ፣ ስግግር ቴክኖሎጅን ልምዓት ሓይሊ ሰብን ዝጠመተ እዩ። ዶክተር ጌታሁን ጋረደው ኢትዮጵያ ኣብቲ ዘፈር እናሰርሐቶ ትርከብ ተግባር ገሊፆም። ዋና ዳይሬክተር ፉኣት ካሳሚካን ብግዲኦም ክልቲአን ሃገራት ብሓባር ንምስራሕ ዘለወን ዕድላትን ኣድላይነትን ብምልዓል ኣብ ሜላ ብኽነት ምግቢ ምንካይ፣ ብቀዳማዊት እመቤት ቱርክ ብዝምራሕ ናይ ኢኒሼቲቭ "ዜሮ ርስሓት" ልምዳ ንምክፋል ሕጉስቲ ምዃና ገሊፆም። ኣብ መረዳእታን ስግግር ቴክኖሎጅን ህንፀት ዓቕሚ ቁፅፅር ከባብን ብሓባር ንምስራሕ ምስምዕምዐን መረዳእታ በዓልመዚ ሓለዋ ከባቢ ኢትዮጵያ የመላኽት።
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም