ፋብሪካ መምረቲ ሴራሚክ ግራንዴር ንኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ተወዳዳሪት ክትኸውን ዝገብር እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ፋብሪካ መምረቲ ሴራሚክ ግራንዴር ንኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ተወዳዳሪት ክትኸውን ዝገብር እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ ጉንቦት/ 15/2018 (ኢዜኣ)፦ ምኽፋት ፋብሪካ መምረቲ ሴራሚክ ግራንዴር ፅግዕተኝነት ፍርያት ወፃኢ ካብ ምቕናስ ብተወሳኺ ኣብቲ ዓውዲ ዓለም ለኸ ተወዳዳሪት ክትኸከውን ዝገብር ከም ዝኾነ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ኣብ ከተማ ሞጆ ዝተሃነፀ ፋብሪካ መምረቲ ሴራሚክ ግራንዴር መሪቖም።
ኣብ ከተማ ሞጆ ብማኑፋክቸሪንግ ሴራሚክ ግራንዴር ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ዝተሃነፀ ፋብሪካ መምረቲ ሴራሚክን ምንፃፋት ፖርሲሌን፣ ካብ ትልሚ ጀሚሩ ክሳብ መሉእ ምጅማር ስራሕ ዝወሰደሉ ግዘ 9 ወርሒ ጥራሕ ከም ዝኾነ እቲ ቤት ፅሕፈት ገሊፁ።
መሰረተ ልምዓቱ ኣብ 300,000 ካሬ ሜትር ቦታ ዝዓረፈ እቲ ፋብሪካ፤ ዓለም ለኻዊ ደረጃኡ ዝሓለወን ልዕሊ 2 ቢሊዮን ብር መዋእለ ንዋይ ዝወፀሉን ኮይኑ፣ ኣብ ጉዕዞ ስግግር ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ዓብዪ ምዕራፍ ዘመላኸተ ፍፃመ ምዃኑ ኣመላኺቱ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን 60x60 ስፍሓት ዘለዎም ምንፃፋት ሴራሚክ ዝጀመረ እቲ ፋብሪካ፤ ኣብ ውሽጢ ዝቕፅሉ ክልተ ኣዋርሕ ዓይነታት ፍርያቱ ብምስፋሕ 80x80bg፣ 60x120፣ 70x140 ን 80x160 መጠን ዘለዎም ዓይነታት ምንፃፍ ከምኡ እውን ብርኪ ፅርየት ኣውሮፓ ዘመልኡ ፍርያት ፖርሲሌን ምቕራብ ከም ዝጅምር ትፅቢት ይግበር።
80 ሚኢታዊ ዝኸውን ንፍርያት እቲ ፋብሪካ ዘድልዩ እታዎታት ጥረ ኣቕሓታት ኣብ ክበብ 100 ኪሎ ሜትር እቲ ፋብሪካ ዝርከብ ብምዃኑ ሙሉእ ንሙሉእ ዝተዋደደን ምስ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ዝተኣሳሰረን መርበብ ኣቕርቦት ምፍጣር ተኻኢሉ እዩ ኢሉ።
ኢትዮጵያ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ፈርያት ብሃገር ውሽጢ ብምትካእ ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ጥራሕ ልዕሊ 4 ነጥቢ 85 ቢሊዮን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ምድሓን ኣብ ዝኽኣለትሉ እዋን፤ ምኽፋት ሴራሚክ ግራዴር ፅግዕተኝነት ፍርያት ወፃኢ ዝቕንስ ጥራሕ ዘይኮነ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ተወዳዳሪት ክትኸውን ዘኽእል ከም ዝኸውን ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር የመላኽት።