ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ፋብሪካ ግራንዴር ሴራሚክ መሪቖም

ኣዲስ ኣበባ/ ጉንቦት /15/2018 (ኢዜኣ)፦ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ፋብሪካ ግራንዴር ሴራሚክ መሪቖም ንኣገልግሎት ክፍቲ ገይሮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) እቲ ፋብሪካ ሴራሚክስ ኣካል ጉዕዞ ልማዓት ኣፍራዪ ኢንዱስትሪን ዓብዩ መርኣያ ዓወት ወፍሪ ጎስጓስ "ኢትዮጵያ ተፍሪ"ን ከም ዝኾነ ኣብ መልእኽቶም ኣስፊሮም።



ህንፀት ቁልፊ ሃገራዊ ረብሓ ዘለዎም መሰል ፋብሪካታት፣ ዓለም ለኸ ኢንቨስትመንትታት ብምስሓብ  ኣብ መላእ ሃገር ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ብተግባር ዘረጋገፀ እዩ ኢሎም።
እቲ ፋብሪካ ዓለም ለኸ መለክዕታት ፅርየትን ተወዳዳራይነት ዘማልኡ ፍርያት ሴራሚክስ ዘቕርብ ኮይኑ፣ 80 ሚኢታዊ ንፍርያት ዘድልይዎ እታዎት ካብ ዓቕሚ ውሽጢ ዓዲ ከም ዝረክብ ሓቢሮም። 
‎​እዚ ዓወት ኢትዮጵያ ሃፍቲ ተፈጥሮኣን ዕቑር ፀጋኣን  ናይ ምጥቃም ብቕዓት ካብ ምህናፃ ብዝዘለለ፤ ኣብ ፍርያት ወፃኢ ዘለና  ፅግዕተኝነት  ብዝለዓለ ብርኪ ከም ዝቕንሶ እውን ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም