መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ዓወት ዓድዋ ቀፂሉ ንኣፍሪካውያን ዘተኣሳሰረ ምልክት ዓወትን ምኽኣልን እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ - ኢዜአ ትግርኛ
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ዓወት ዓድዋ ቀፂሉ ንኣፍሪካውያን ዘተኣሳሰረ ምልክት ዓወትን ምኽኣልን እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 14/2018 (ኢዜኣ) መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ዓወት ዓድዋ ቀፂሉ ንኣፍሪካውያን ዘተኣሳሰረ ምልክት ዓወትን ምኽኣልን እዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
መዛዘሚ መርሃ ግብሪ መበል 80 ዓመት ክብረ በዓል መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተኻይዱ።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ሽሕ ዘበናት ታሪኻ ትካላት ብምምስራትን ብምፅናዕን ብዙሕ ከይተሳኸዐላ ፀኒሑ እዩ።
ኣብ ዘበናዊ ታሪኽ ካብ ዘጋጠምዋ ስምብራታት ስምብራት ትካላት እቲ ሓደ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ ፈተና ብምሕላፍ ሽምን ሰንደቕ ዓላማን ኢትዮጵያ ሓፍ ኣቢሎም ታሪኽ እናሰርሑ ዝተጉዓዙ ትካላት ከም ዘለውዋ እውን ተዛሪቦም።
ኣብዚ መዳይ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ግንባር ቀደም ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ መንገዲ ኣየር ካብ ዓወት ዓድዋ ቀፂሉ ንኣፍሪካውያን ዘተኣሳሰረን ዘኹርዐን ትካል ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምልክት መርኣያ ዓወትን ምኽኣልን ኣፍሪካ እዩ ኢሎም።
ታሪኽ ዘበናዊት ኣፍሪካ ምስ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝተኣሳሰረ እዩ ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ንፀገማት ኣፍሪካ ቀዲሙ ዝበፅሕ ትካል ከም ዝኾነ ሓቢሮም።
እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ውሽጢ ብዙሓት ፈተናታት ኮይኑ ንዓወት ንክበቅዕ መራሕቱን ሰራሕተኛታቱን ዝኸፈልዎ ዋጋ ብታሪኽ ዝግለፅ ከም ዝኾነ እውን ኣፅንኦት ሂቦም ተዛሪቦም።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 80 ዓመታት ዘመዝገቦ ዕቤት ብተኸታተልቲ ዓወታት ዝተዓጀበ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ካብ ጃን ሜዳ ክሳብ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ንዝበፅሐ ዕቤት ንኢዶም።
ንቀፃሊ ጉዕዞ እቲ መንገዲ ኣየር መንግስቲ መራሕን ደጋፍን ኮይኑ ከም ዝቕፅል እውን ኣረጋጊፆም።