መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መሰናኽላት ብፅንዓት ብምሕላፍ ኣብ ጎደና ዓወት ይርከብ

ኣዲስ ኣበባ፤ ጉንቦት 14/2018(ኢዜኣ)፦ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘጋጠምዎ መሰናኽላት ብፅንዓት ብምሕላፍ ኣብ ጎደና ዓወት ከም ዝርከብ ኣካቢ ቦርድ ኣመራርሓ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየርን ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያን  ሌተናል ጄነራል ይልማ መርዳሳ ገሊፆም።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያዊ  መርሃ ግብሪ መዛዘሚ ክብረ በዓል መበል 80 ዓመት ኣካይዱ።



ኣብቲ መዛዘሚ መርሃ ግብሪ፤ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፣ዋና ስራሕ ፈፃሚ ግሩፕ ኣየር መገዲ ኢትዮጵያ መስፍን ጣሰው ከምኡ እውን ፃውዒት ዝተገበረሎም ዕዱማት ኣጋይሽ ተረኺቦም እዮም።
ኣካቢ ቦርድ ኣመራርሓ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያን  ሌተናል ጄነራል ይልማ መርዳሳ  ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፤ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነታ ሃገር ኣብ ዓለም ኣብ ምልላይ ብሉፅ ትካል ምዃኑ ገሊፆም።
ብምኽንያት እቲ  መንገዲ ኣየር ዝህቦ ዝለዓለን ዘመናውን ኣገልግሎት በቢእዋኑ ካብ ብርክት ዝበሉ ዓለም ለኻዊ ትካላት ዝለዓለ ኣፍልጦ እናተውሃቦ ከም ዝርከብ ሓቢሮም።
እቲ መንገዲ ኣየር በቢእዋኑ ዘጋጥምዎ ዝተፈላለዩ ማሕለኸታት ብፅንዓት ብምሕላፍ ኣብ ጎደና ዓወት ከም ዝርከብ እውን ተዛሪቦም።
እቲ ትካል ካብ ብሉፅ መገዲ ኣየርነት ኣፍሪካ ብተወሳኺ ብዓለም ለኸ ብርኪ ተወዳዳሪነቱ ብዝበለፀ ንምዕባይ ስትራቴጂ ቀሪፁ ብስፍሓት እናሰርሐ ከም ዝርከብ ኣፍሊጦም።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ብመሰረት መንግስቲ ዘቐመጦ ኣንፈት ብዝተሳለጡ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እቲ መገዲ ኣየር ውፅኢታውነቱ ኣጠናኺሩ ከም ዝቐፀለ ገሊፆም።
እቲ ትካል ኣብ ቀፃሊ እውን ንዝበለፀን ዝዓዘዘን ዓወት ብዝለዓለ ቆራፅነት ከም ዝሰርሕ ኣረጋጊፆም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም