ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሕቡራት ዓረብ ኢሜሬትን ዘሎ ኩለ መደያዊ ስትራቴጂካዊ ምትሕብባር እናዓበየ መፅዩ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሕቡራት ዓረብ ኢሜሬትን ዘሎ ኩለ መደያዊ ስትራቴጂካዊ ምትሕብባር እናዓበየ መፅዩ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ጉንቦት/ 14/2018(ኢዜኣ)፦ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሕቡራት ዓረብ ኢሜሬትን ዘሎ ኩለ መደያዊ ስትራቴጂካዊ ምትሕብባር እናዓበየ ከም ዝመፀ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት ዓረብ ኢሜሬት ጀማል በከር (ዶ/ር) ገሊፆም።
ኣብ ኢትዮጵያ ተግባራዊ ዝተገበረ ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ እታ ሃገር ምችውቲ መባፅሒ ንግድን ኢንቨስትመንትን ከም ዝገበራ እውን ገሊፆም።
ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ዱባይን ዘሎ መጠን ልውውጥ ንግዲ 6 ነጥቢ 1 ቢሊዮን ዶላር ኣሜሪካ ከም ዝበፅሐ እውን ተገሊፁ።
ብቤት ምኽሪ ንግዲ ዱባይ ዝተዳለወ ፎረም ምትሕብባር ቢዝነስ ዱባይ-ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ አናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት ዓረብ ኢሜሬት ጀማል በከር (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ማእኸል ስሕበት ንግድን ኢንቨስትመንትን ኣፍሪካ እያ።
ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ምቹው ምህዳር ኢንቨስትመንት፣ብኣቀማምጣ ጂ-ኦግራፊ ንስራሕ ብቑዕ ዝኾነ ሓይሊ ሰብ ዘለዋ ምችውቲ መባፅሒት ቢዝነስ ከም ዝኾነት እውን ገሊፆም።
ኢትዮጵያ መእተዊት በሪ ዕዳጋ 1 ነጥቢ 4 ቢሊዮን ኣፍሪካውያንን ምችውቲ መባፅሒት ኢንቨስትመንትን ምዃና ኣመላኺቶም።
ምምሕያሽ እቲ ማክሮ ኢኮኖሚ ዕንቅፋታት ኩሎም ንግድን ኢንቨስትመንትን ብምውጋድ ኢትዮጵያ ንንግድን ኢንቨስትመንትን ዝተመቸወት ሃገር ገይርዋ እዩ ኢሎም።
ብኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ሓዊሱ ዝተማልአ መሰረተ ልምዓትን ቅልጡፍ ኣገልግሎት ንግድን ምሃብ ዘኽእል ስርዓት ከም ዝተዘርገሐ ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ እቲ ዝዓበየ መገዲ ኣየር፣ ዝተሳለጠ ኣገልግሎት ሎጂስቲክስ ምሃብ ዘኽእል መሰረተ ልምዓት ባቡርን ተሽከርካርን ምዝርጋሕ ከም ዝኽኣለት እውን ሓቢሮም።
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሕቡራት ዓረብ ኢሜሬትን ዘሎ ኩለ መደያዊ ምትሕብባር እናዓበየ ከም ዝመፀ ብምግላፅ፤ እዚ ርክብ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ፅኑዕ መሰረት ክህነፅ ገይሮምዎ እዮም ኢሎም።