ኣብ ሃገርና ፋብሪካ ማዳበሪያ ምህናፁ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ንዝግበር ፃዕሪ ዘቀላጥፍ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ሃገርና ፋብሪካ ማዳበሪያ ምህናፁ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ንዝግበር ፃዕሪ ዘቀላጥፍ እዩ
ድሬደዋ/ ግንቦት/ 13/2018 (ኢዜኣ)፦ ኣብ ሃገርና ፋብሪካ ማዳበሪያ ምህናፁ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ንዝግበር ፃዕሪ ኣብ ምቅልጣፍ ዝለዓለ ግደ ኣለዎ ክብሉ ዋና ዳይሬክተር ኢኒስቲትዩት ትራንስፎርሜሽን ሕርሻ ማንደፍሮ ንጉሴ (ዶ/ር) ተዛሪቦም።
"ካብ ተመፅዋታይነት ናብ መፍረያነት" ብዝብል ቴማ ብምትሕብባር ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎትን ሚኒስቴር ግብርናን ዝተዳለወ መድረኽ ዘተ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ።
ማንደፍሮ ንጉሴ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ምርግጋፅ ሉኣላውነት ምግቢ ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ።
ሉኣላውነት ምግቢ ንምርግጋፅ ዘኽእሉ እታዎታት ኣብ ሃገርና ኣለዉ እዮም ክብሉ ሓቢሮም።
መንግስቲ ኣብ ሃገር ውሽጢ ማዳበሪያ ንምፍራይ ፍሉይ ትኹረት ብምሃብ እናሰርሐ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ሉኣላውነት ምግቢ ንምርግጋፅ ዝግበር ጉዕዞ ኣብ ምቅልጣፍ ዝለዓለ ግደ ከም ዘለዎ ኣገንዚቦም።
ሓረስቶት ብክላስተርን ምርምርን ዝተሓገዙ ዝራእቲ ብምፍራይ ትርፊ መፍረይቲ ኮይኖም ዕዉታት ክኾኑ እናተሰርሐ ከም ዝኾነ እውን ኣፍሊጦም።
ዋላ ሓንቲ መሬት ፆማ ክትሓድር የብላን ዝብል ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተሳለጡ ተግባራት ጭቡጥ ለውጢ ኣምፂኦም እዮም ኢሎም።
ክልላት ብምትሕግጋዝን ተምክሮኦም ብምልውዋጥን ካብ ተመፅዋታይነት ናብ መፍረያይነት ንምስግጋር ዝግበር ፃዕሪ ኣበርቲዖም ክቕፅልሉ ከም ዝግባእ ኣረዲኦም።
ከም ሃገር ካብ ተመፅዋታይነት ናብ መፍረያይነት ምስግጋር ዘይንኽእለሉ ዝኾነ ዓይነት ምኽንያት የለን ክብሉ እውን ገሊፆም።