ካብ ተመፅዋታይነት ናብ መፍረያይነት ብዝብል ቴማ መድረኽ ዘተ እናተሳለጠ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ ጉንቦት/ 13/2018 (ኢዜኣ)፦ “ካብ ተመፅዋታይነት ናብ መፍረያነት” ብዝብል ቴማ መድረኽ ዘተ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ይሳለጥ ኣሎ።
እቲ መድረኽ፤ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት ምስ ሚኒስቴር ግብርና ብምትሕብባር ዝተዳለወ ኮይኑ ኣብ ዛዕባ መፍረያይነት ምልዕዓል ብምፍጣር ዝተግህ ማሕበረሰብ ንምህናፅ ዝዓለመ እዩ።
ቅድሚ ሐዚ ኣብ ኣዳማን ሲዳማን ኣብ ዝተዳለዉ ተመሳሰልቲ መድረኻት ተሞክሮ እተን ክልላት ዝዳህሰሱ ዘተታት ተሳሊጦም እዮም። 
ዝተፈላላያ ክልላት ካብ ተመፅዋታይነት ናብ መፍረያይነትን ሉኣላዊ ክብርን ንምስግጋር ዘሳልጥዎም ተግባራት ተዳህሲሶም እዮም።
ኣብቲ ናይ ሎሚ መድረኽ፤ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር መተሓባበሪ ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ሚኒስትር ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ፣ ምክትል ርዕሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ሮዛ ዑመር፣ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ኢብራሂም ዩሱፍ ተረኺቦም።



ከምኡ እውን ዋና ዳይሬኬተር ኢኒስቲትዩት ትራንስፎርሜሽን ግብርና ማንደፍሮ ንጉሴ (ዶ/ር) ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተረኺቦም እዮም።

ብተወሳኺ ካብ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ፣ ክልላት ሶማሌ፣ ሃረሪን ዓፋርን ዝተውፃእፅኦ ኣርባሕቲ እናተሳተፉ እዮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም