ኣዲስ ኢኮ ኩለ መዳያዊ ፓርክ መዘናግዒ ህዝቢ ተመሪቑ ንኣገልግሎት ክፍቲ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 13/2018 (ኢዜኣ) ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣዲስ ኢኮ ኩለ መዳያዊ ፓርክ መዘናግዒ ህዝቢ መሪቐን ንኣገልግሎት ክፍቲ ከም ዝገበራ ኣፍሊጠን።
እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ ኣብ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ከተማ ፍሉይ ሽሙ ኣስኮ ኣዲስ ሰፈር ኣብ ልዕሊ 30 ሽሕ ካሬ ሜትር ዝዓረፈ፣ንህፃናት፣መናእሰይ፣ኣረጋውያን፣ድኻን ሃፍታምን ከይበለ ህዝቢ ብሓባር ዝግልገለሉ ሰሓብን ፅቡቕን ኮይኑ ዝተዛዘመ ኩለ መዳያዊ ፓርክ መዘናግዒ ኣዲስ ኢኮ ንነበርቲ እቲ ከባቢ ኣማራፂ መዘናግዒ ኮይኑ ዘገልግል እዩ ኢለን።



እቲ ፓርክ ኣብ ውሽጡ ፋውንቴይን፣ሜዳ ኩዕሶ እግሪ፣መዘናግዒ ህጻናት፣ኣምፊ ቲያትር፣ዘበናዊ ካፍቴሪያ፣ ሱቓት፣ባር ጁስ፣ፓርኪንግ፣ ዘበናዊ ሻወርን ሽቓቕን ከምኡ እውን ሰፊሕ ጉዕዞ እግሪ ዝግበረሉ መንገዲ ተማሊኦምሉ ብፅሬት ዝተሃነፀ ከምዝኾነ ገሊፀን።
ከንቲባ ኣዳነች፤ እቲ ፓርክ ኩሉ እናተጠቐመሉ ንክሕልዎ እውን ኣረዲአን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም