ብከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዘርባጃን ፕሮጀክት ዝተዋደደ ልምዓት ከተማ ተዓዚቡ - ኢዜአ ትግርኛ
ብከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዘርባጃን ፕሮጀክት ዝተዋደደ ልምዓት ከተማ ተዓዚቡ
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 12 /2018 (ኢዜኣ) ብከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዘርባጃን ፕሮጀክት ዝተዋደደ ልምዓት ከተማ ተዓዚቡ።
እተን ከንቲባ ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ ኣዘርባጃን ጎና ጎኒ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘመዝገበቶ ልዑል ዕቤት ስራሕቲ ዳግማይ ምልማዕ ከተማ ኣጠናኺራ ከምዝቐፀለትሉ ሓቢረን።
ዝኣረጉ መንደራት ብምልዓል ምሕዳስ ከምኡ እውን ቅድሚ ሕዚ ኣብ ጥቕሚ ዘይወዓሉ ቦታታት ፈሊኻ ናይ ምልማዕ ስትራቴጂ እናተኸተለት ከም ትርከብ እውን ገሊፀን።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ እውን በቢ ዓመቱ 100 ሽሕ ኣባይትን ተዛመድቲ ልምዓትን ንምህናፅ ብምትላም ልዑል ርብርብ እናተገበረ ከም ዝርከብ ኣረዲአን።
ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ስራሕቲ ምቕያርን ምሕዳስን ዝኣረጉን ዝተጎሳቖሉን ከባብታት እናሳለጠ እዩ ዝርከብ ኢለን።