ምዝዛም ህንፀት ምምሕያሽ ግድብ መስኖ ከሰም ስግኣት ሓደጋ ውሕጅ ብዘላቕነት ዝፈትሐ እዩ-ሚኒስትር ኣብርሃም በላይ(ዶ/ር - ኢዜአ ትግርኛ
ምዝዛም ህንፀት ምምሕያሽ ግድብ መስኖ ከሰም ስግኣት ሓደጋ ውሕጅ ብዘላቕነት ዝፈትሐ እዩ-ሚኒስትር ኣብርሃም በላይ(ዶ/ር
)ሰመራ/ግንቦት 12/2018(ኢዜኣ) ምዝዛም ህንፀት ምምሕያሽ ግድብ መስኖ ከሰም ካብ ዝህቦ ዘላቒ ልምዓት ብተወሳኺ ንማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ንዓመታት ፈተና ኮይኑ ዝነበረ ስግኣት ውሕጅ ዝፈትሐ ወሳኒ ፕሮጀክት ከም ዝኾነ ሚኒስትር መስኖን ከባብታት ቆላን ኣብርሃም በላይ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ፕሮጀክት ምምሕያሽ ፅገና ግድብ መስኖ ከሰም ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣወል ኣርባ ከምኡ እውን ሚኒስትር መስኖን ከባብታት ቆላን ኣብርሃም በላይ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ትማሊ ብዕሊ ተመሪቑ ስራሕ ጀሚሩ።
ሚኒስትር መስኖን ከባብታት ቆላን ኣብርሃም በላይ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ግድብ መስኖ ከሰም ቅድሚ ሕዚ ብማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ከም ዓብይ ስግኣት እዩ ዝረአ ኔሩ።
እቲ ግድብ ብዝተገበረሉ ምምሕያሽን ፅገናን ኢንጂነሪንግ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝፈጥሮ ዝነበረ ስግኣት ብምልቓቕ ንነበርቲ እቲ ከባቢ ዘተኣማምንን ጠቓምን መሰረተ ልምዓት ምዃን ክኢሉ እዩ ኢሎም።
ኣብ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ዝነበረ ስግኣት ሓደጋ ብምቕራፍ እቲ ግድብ ንዝተሓሰበሉ ልምዓት መስኖ ንምውዓል ንዝተሳለጠ ፕሮጀክት ፅገናን ምምሕያሽን እውን 2 ቢልዮን ብር በጀት ከም ዝወፀሉ ገሊፆም።