ፋብሪካ ማዳበሪያ ጎዴ ኣብ ሓፂር እዋን ንምዝዛም ኣድላይ ደገፍ ክግበር እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 9/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ጎዴ ዝህነፅ ዘሎ ፋብሪካ ማዳበሪያ ኣብ ሓፂር እዋን ዛዚምና እቲ ሓደ ቁልፊ ፀገም ኢትዮጵያ ክንፈትሕ ኢና ዝብል እምነት ሒዝና እናሰራሕና ኢና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ሎሚ ንጉሆ ምስ ኣሊኮ ዳንጎቴ ብምዃን ኣብ ጎዴ ዝህነፅ ዘሎ ፋብሪካ ማዳበሪያ ዩሪያ ዝበፅሖ ብርኪ ተዓዚቦም።



እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ድሕሪ ዑደቶም ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ ኣብዚ ቦታ ምርካብና ኣዚ ፕሮጀክት ብቀረባ እንከታተሎ፣ እንሪኦ፣ እንመርሖ፣ ፀገማት እንተሃልዮም እናፈታሕና እንተተኻኢሉ ብቕልጡፍ እንተዘይኮይኑ ድማ ኣብቲ ዝተትሓዘሉ እዋን ንምዝዛም ዘለና ቆራፅነት ዘርኢ እዩ ኢሎም።
ቅድሚ ውሑዳት ኣዋርሕ ምስ ዳንጎቴ ዝነበረና ስምምዕ ኣብ ጎዴ 3 ሚልዮን ቶን ማዳበሪያ ምፍራይ ዝኽእል ፋብሪካ ምህናፅ እዩ ኔሩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብቲ እዋን እውን ንህዝብና ዝኣተናዮ ቃል እቲ ፋብሪካ ኣብ 40 ኣዋርሕ ከምዝዛም እዩ ኔሩ ኢሎም።
ሕዚ ንሰርሖ ዘለና ግና ብዝተኽኣለ መጠን ትሕቲ 40 ኣዋርሕ ንምዝዛም እዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ብመሰረት እዚ ድማ ንናይ ባዕልና ዕዳጋ ካባና ዝተርፍ እንተሃልዩ ድማ ንዕዳጋ ወፃኢ ንምጥቃም እናሰራሕና ኢና ክብሉ ተዛሪቦም።
ኣብቲ እዋን ሓሳብ እዩ ኔሩ፤ ሕዚ ግና ብተግባር እናተሰርሐ እዩ፤ ድሕሪ 4 ኣዋርሕ እንትንመፅእ መብዛሕቲኡ ህንፀት መንበሪ ክዛዘም እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ በዚ ድማ ን5 ሽሕ ሰብ ዝኸውን ህንፀት መንበሪ ኣባይቲ ክስራሕ እዩ ኢሎም።
እቲ ፋብሪካ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ዛዚምና እቲ ሓደ ቁልፊ ፀገም ኢትዮጵያ ክንፈትሕ ኢና ዝብል እምነት ኣለና ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ኣሊኮ ዳንጎቴ ብጣዕሚ ቆራፅ ሰብ ከምዝኾኑን ብመሰረት ዝኣተውዎ ቃል ገንዘቦም፣ ግዜኦምን ሰብ ሞያን ኣብቲ ስፍራ ከም ዘቕረቡን ተዛሪቦም።
በዚ መልክዕ መንግሥቲ እቲ ክልልን ፌዴራልን ክትትልን ደገፍን እናገበሩ ንክዛዘም እንተገይርና ብጣዕሚ ዓብይ ፀገም ዝፈትሕ ፕሮጀክት ክኸውን እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ ክብሉ እውን ኣረዲኦም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም