ህንፀት ፋብሪካ ማዳበርያ ዩሪያ ብመሰረት ዝተትሓዘሉ ትልሚ ኣብ ምስላጥ እዩ ዝርከብ -ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 9/2018 (ኢዜኣ) ህንፀት ፋብሪካ ማዳበርያ ዩሪያ ብመሰረት ዝተትሓዘሉ ትልሚ ኣብ ምስላጥ ከምዝርከብ ቀዳማይ  ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ሎሚ ንጉሆ ምስ ኣሊኮ ዳንጎቴ ብምዃን ኣብ ጎዴ ዝህነፅ ዘሎ ፋብሪካ ማዳበሪያ ዩሪያ ዝበፅሖ ብርኪ ተዓዚቦም።



እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብ መላእ ስፍራ እቲ ፕሮጀክት ዝረአ ከይዲ ስራሕ ዝተባባዕ እዩ ኢሎም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ ምስ ግሩፕ ዳንጎቴ ብምዃን ኣብ ዓመት 3 ሚሊዮን ሜትሪክ ቶን ማዳበርያ ዩሪያ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ዘለዎ ፋብሪካ ንምህናፅ ዓብይ ስምምዕ መዳርግቲ ገይርና ክብሉ ኣዘኻኺሮም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ህንፀት እቲ ፕሮጀክት ብዕሊ ጀሚርናዮ ዝበሉ ቀዳማይ  ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፤ እዚ ስራሕ እዚ ካብ ህንፀት መሰረተ-ልምዓት ንላዕሊ ከምዝኾነ ሓቢሮም ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ትራንስፎርሜሽን ግብርና፣ ምርግጋፅ ልኡላውነት ምግቢ፣ ዕብየት ኢንዱስትርን ብቑጠባ ዓርስኻ ናይ ምኽኣል ፃዕርን  ስትራቴጂካዊ ረብሓ ዘለዎ  ኢንቨስትመንት ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።
እቲ ፋብሪካ ማዳበርያ ፋብሪካ እንትዛዘም ናይ ውሽጢ ዓዲ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ የዕቢ፣ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ማዳበርያ ዘሎ ፅግዕተኝነት ይንኪ፣ብሚሊዮናት ንዝቑፀሩ ሓረስቶትና ድማ ይድግፍ ክብሉ እውን ኣብሪሆም። 
ንኢንቨስትመንትን ፈጠራ ዕድል ስራሕን እውን ሓደሽቲ ዕድላት ከምዝኸፍት ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም