ብምግቢ ዓርስኻ ምኽኣል ቀንዲ ኣጀንዳና እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበበባ/ግንቦት 9/2018 (ኢዜኣ) ብምግቢ ዓርስኻ ምኽኣል ቀንዲ ኣጀንዳና እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። 
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ሎሚ ንጉሆ ምስ ኣሊኮ ዳንጎቴ ብምዃን ኣብ ጎዴ ዝህነፅ ዘሎ ፋብሪካ ማዳበሪያ ዩሪያ ዝበፅሖ ብርኪ ተዓዚቦም።
ዓርስኻ ንምኽኣል መሬት የድሊ፣ ማይ የድሊ፣ ሰብ የድሊ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚሚኒስትር፤ እዚኣቶም ድማ ኣለውና እዮም ክብሉ ድሕሪ ዑደቶም ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ ተዛሪቦም።
ኣብ ሙሩፅ ዘርእን ማዳበሪያን እናሰራሕና ኢና ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ እዚኣቶም እንተማሊእና ንዓና ጥራሕ ዘይኮነስ ንካልኦት ዝተርፍ ነገር ምግባር ይከኣል እዩ ክብሉ ኣረዲኦም።
ክልል ሶማሌ ንልምዓት ብጣዕሚ ምችው ከባቢ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ ዘሎ መሬትን ማይን ናብ መስኖ ብምእታው ኣብ ክልል ሶማሌ ጥራሕ ዝለምዕ ንብዙሓት ዝተርፍ እዩ ኢሎም።
እዚ ንምግባር ድማ ስራሕ፣ ሃፍትን ግዜን ከምዝደሊ ብምሕባር፤ እዚኣቶም እንተዐዊትና ብዙሓት ፀገማትና ዝፈትሕ ጉዳይ ክኸውን እዩ ክብሉ ኣመላኺቶም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም