ኣብታ ከተማ ንዓውዲ ኢንዱስትሪ ብዝተውሃበ ትኹረት ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ተካኢ ፍርያትን ጭቡጥ ውፅኢት ተመዝጊቡ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብታ ከተማ ንዓውዲ ኢንዱስትሪ ብዝተውሃበ ትኹረት ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ተካኢ ፍርያትን ጭቡጥ ውፅኢት ተመዝጊቡ
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 8/2018(ኢዜኣ) ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዓውዲ ኢንዱስትሪ ብዝተውሃበ ትኹረት ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ተካኢ ፍርያትን ጭቡጥ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንማእኸለዎትን ላዕለዎትን ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ዓብይ ተስፋ ዝሓዘ ከምኡ እውን ብኣሽሓት ንዝቑፀሩ መናእሰይ ዕድል ስራሕ ዝፈጥር ፓርክ ኢንዱስትሪ ገላን ጉራ መሪቖም ስራሕ ኣጀሚሮም።
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ እቲ ናይ ለውጢ መንግሥቲ ንዓውዲ ኢንዱስትሪ ካብ ንይምሰል ምንቅስቓስ ኣላቒቑ ብፖሊሲ ዝተደገፈ መሰረታዊ ለውጢ ብዘምፅእ ኣግባብ ብሃገር ቦቆል ሪፎርም ኢኮኖሚ ደጊፉ እዩ።
ስለዝኾነ ድማ ብጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ዝተባብዑ ውፅኢታት ፍርያት ከምዝተርኣዩ ሓቢረን።
እዘዚ ጎስጓስ ንምጥንኻር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከቡ ኢንዱስትሪታ ኩለ መዳያዊ ደገፋት እናተገበረ ከምዝፀንሐ ብምግላፅ፤ ናይ ምፍራይ ዓቕሞም ንምዕባይ እውን ኣድላይ ደገፍ ከምዝተገበረ ገሊፀን።
ስለዝኾነ እውን ቀረብ መንገዲ፣ኤሌክትሪክን ማይን ብምምችቻው፣ሊዝን ልቓሕን ማሽነሪ ብምቕራብ ከምኡ እውን ማሕለኻታት ኢንዱስትሪታት ብምፍታሕ ምትእስሳር ዕዳጋ ምፍጣር ከምዝተኽኣለ ኣረዲአን።
ፓርክ ኢንዱስትሪ ገላን ጉራ ዘበናዊ ቴክኖሎጂታትን ኣሰራርሓታትን ኢንዱስትሪ ናብ ውሽጢ ሃገር ብምእታው ልዑል ስግግር ፍልጠት ንምፍጣርን ኣፍረይቲ ውሽጢ ሃገር ብብርኪ ዓለም ተወዳደርቲ ንምግባርን ዝዓለመ እዩ ኢለን።
ኣብቲ ኢንዱስትሪ ን120 ሽሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝፍጠር ብምሕባር፤ እቲ ፓርክ ሙሉእ መሰረተ ልምዓት ዝተማልአሉ ከምዝኾነ እውን ተዛሪበን።