ሓረስቶት ዘሳተፈ ልምዓት ምስላጥ ኣተሓሳስባ ኩሎም ኢንዱስትሪያሊስትታት ክኸውን ኣለዎ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ሓረስቶት ዘሳተፈ ልምዓት ምስላጥ ኣተሓሳስባ ኩሎም ኢንዱስትሪያሊስትታት ክኸውን ኣለዎ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 8/2018 (ኢዜኣ) ሓረስቶት ዘሳተፈ ልምዓት ምስላጥ ኣተሓሳስባ ኩሎም ኢንዱስትሪያሊስትታት ክኸውን ከምዘለዎ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንማእኸለዎትን ላዕለዎትን ኣፍረይቲ ተስፋ፣ ብኣሽሓት ንዝቑፀሩ መናእሰይ ድማ ዕድል ስራሕ ዝፈጠረ ህንፀት ቀዳማይ ምዕራፍ ፓርክ ኢንዱስትሪ ገላን ጉራ ሎሚ መዓልቲ መሪቖም ስራሕ ኣጀሚሮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ፤ ፓርክ ኢንዱስትሪ ገላን ጉራ ዝተሰርሐሉ ከባቢ ቅድሚ ክልተ ዓመት መሰረተ ልምዓታት ማይ፣ መንገዲ፣ መብራህትን ካልኦትን ዘይተሃነፀሉ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ከባቢ ገላን ጉራ ፓርክ ኢንዱስትሪ፣ ዘበናዊ መንገድን ድልድልን፣ ሓምለዋይ ቦታ፣ ንመነባሮ ኣድላይ ዝኾኑ መሰረተ ልምዓታት ዝተማልእሉ ዝሓሸ ቦታ ኮይኑ እዩ ኢሎም።
ዕላማና ካብ ድኽነት ዝተላቐቐት ኢትዮጵያ ዝፈጥር ወለዶ ምህናፅ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ንዕዉትነት እዚ ድማ ኩሉ ክፋል ማሕበረሰብ ተሓባባሪ ክኸውን ከምዘለዎ ሓቢሮም።
እቶም ስራሕቲ ልምዓት ንሓረስቶት፣ ድኻታትን ዝተፀገሙን ዘተባብዑ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ ሓረስቶት ኣብ መሬቶም ዋርድያታት እናገበርና ልምዓት ምምፃእ ኣይንኽእልን ኢሎም።
ኣብ ኢትዮጵያ ዓለም ዝንእዶ ልምዓትን ለውጥን እናመፀ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ካብ ግዝያዊ ድሌትን ስምዒትን ብምውፃእ ኣብ ስራሕ ትኹረት ምግባር ከም ዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።
ፓርክ ኢንዱስትሪ ገላን ጉራ ፓምፕታት ማይ፣ መፍረዪ ወርቅን ብሎኬትን፣ ፋብፊካታት መቀነባበሪ ቀለብ እንሰሳት ዝፈርይሉ ፓርክ መፍረዪ ፋብሪካታት ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኢንዱስትሪያሊስትታ ኢትዮጵያ ዝፈልቅሉ ፓርክ ስለዝኾነ ኢንዱስትሪና ብናትና ሰባት ንክምራሕ ምግባር ይግባእ ኢሎም።
ብተናፀል ዝስራሕ ኢንዱስትሪ ከምዘየዋፅእ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ንሓረስቶት ዘሳተፈ ልምዓት ምስላጥ ኣተሓሳስባ ኩሎም ኢንዱስትሪያሊስትታት ክኸውን ከምዘለዎ ኣረዲኦም።
ኩለን ክልላት ካብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ገላን ጉራ ትምህርቲ ብምውሳድ መናእሰይን ሓረስቶትን ዝሓቖፈ ፓርክ ኢንዱስትሪ ክሰርሓ ከምዘለወን እውን ገሊፆም።
ለውጢ ብስራሕናን ረሃፅናን ስለዝመፅእ ሕድ ሕድና ብምፍታውን ብምክብባርን ሃገርና ክነልምዕ ኣለና ኢሎም።
ኣብ ኢትዮጵያ ጀሚርና ዘየዐወትናዮ ዋላ ሓደ ጉዳይ የለን ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ስርቂ ኣብ ስራሕ ዝቦቁል ፃህያይ ስለዝኾነ ጥንቃቐ ምግባር ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።