ህንፀት ቀዳማይ ምዕራፍ ፓርክ ኢንዱስትሪ ገላን ጉራ ተዛዚሙ ምምራቑ፤ ዘተኣማምንን ጠንካራን ኢኮኖሚ ንምህናፅ ንዝጀመርናዮ ጉዕዞ ብልፅግና ተወሳኺ ፀብለልታ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት 8/2018 (ኢዜኣ) ህንፀት ቀዳማይ ምዕራፍ ፓርክ ኢንዱስትሪ ገላን ጉራ ተዛዚሙ ምምራቑ፤ ዘተኣማምንን ጠንካራን ኢኮኖሚ ንምህናፅ ንዝጀመርናዮ ጉዕዞ ብልፅግና ተወሳኺ ፀብለልታ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንማእኸለዎትን ላዕለዎትን ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ዓብይ ተስፋ ዝሓዘ ከምኡ እውን ብኣሽሓት ንዝቑፀሩ መናእሰይ ዕድል ስራሕ ዝፈጥር ፓርክ ኢንዱስትሪ ገላን ጉራ መሪቖም ስራሕ ኣጀሚሮም።



እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ምረቓ እቲ ፓርክ ዘተኣማምንን ጠንካራን ኢኮኖሚ ንምህናፅ ንዝተጀመረ ጉዕዞ ብልፅግና ተወሳኺ ፀብለልታ እዩ ኢሎም።
ኣብ ከተማና ኣብ ልዕሊ 43 ሄክታር መሬት ዝዓረፈ ቀዳማይ ምዕራፍ ፓርክ ኢንዱስትሪ ገላን ጉራ ተሃኒፁ ሎሚ መዓልቲ ከምዝተመረቐ ኣፍሊጦም።
እዚ ድማ ንማእኸለዎትን ላዕለዎትን ኢንተርፕራይዛት ምችው ከባቢ ንግዲ ካብ ምፍጣር ብተወሳኺ ብኣሽሓት ንዝቑፀሩ መናእሰይ ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥር ኣመላኺቶም።
እቲ ፓርክ ኣፍረይቲ ሃገርና ዓቕሞም ብምጥንኻርን መፍረያይነቶምን ተወዳዳሪነቶምን ብምውሳኽን ንከተማና፣ ሃገርናን እቲ ዞባን ዝተርፍሉ ዓብይ ዕድል ዝሓዘ ከምዝኾነ ኣረዲኦም። 
ብካሊእ መዳይ ተተካእቲ ፍርያታት ብምፍራይ ኣብ መንጎ ኣፍረይትን ሸመትትን ቀጥተኛን ቅልጡፍን ምትእስሳር ንግዲ እንትፈጥር፤ ፍርያታት ድማ ንዕዳጋ ወፃኢ ብምቕራብ ሸርፊ ወፃኢ ሃገርና ንምዕባይ ልዑል እጃም ከምዘበርክት እውን ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም