ሕቶ ምርካብ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ግቡእን ሕጋውን እዩ-ኣምባሳደር ኣሌክሲ ላሜክ

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 7/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ንምርካብ ትገብሮ ፃዕሪ ፍፁም ሕጋዊ ከምዝኾነ ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሌክሲ ላሜክ ገሊፆም።
እቶም ኣምባሳደር ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ብዙሕ ህዝቢ ካብ ዘለወን ሃገራት ንዝኾነት ኢትዮጵያ ግቡእን ምኽንያታውን እዩ።
ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ቅድሚ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበርዎ ዑደት ዝገለፅዎ ቅዋም ብምዝኽኻር፤ እቲ ጉዳይ ሕዚ እውን እንተኾነ መሰረታውን ሕጋውን ሕቶ ኮይኑ ከምዝቕፅል ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ንምርካብ ትገብሮ ፃዕሪ ፍፁም ሕጋዊ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ነዚ ድማ ሰፊሕ ህዝቢ እታ ሃገርን ዘለዋ መልክኣ ምድራዊ ኣቀማምጣን ከም ቀንዲ ምኽንያት ፀሪሖም።
ፈረንሳይ ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንምፍታሕ ዝግበሩ ሃነፅቲ ፃዕርታት ንምድጋፍ ድሉውቲ ከምዝኾነት ብምሕባር፤ ኣብዚ መዳይ ፈረንሳይ እተበርክቶ ዝኾነ ዓይነት ደገፍ እንተሃልዩ ንምሃብ ድሌት ኣለና እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም