ዜጋታት ካብ ተመፅታይነት ምልቓቕ ዘኽእሉ ዝጭበጡ ውፅኢታት ተመዝጊቦመ እዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ዜጋታት ካብ ተመፅታይነት ምልቓቕ ዘኽእሉ ዝጭበጡ ውፅኢታት ተመዝጊቦመ እዮም
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት/6/2018(ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ዜጋታት ካብ ተመፅታይነት ምልቓቕ ዘኽእሉ ዝጭበጡ ውፅኢታት እናተመዝገቡ ከምዝኾኑ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዲሞክራሲ ኣይተ እውነቴ ኣለነ ገሊፆም።
ብምትሕብባር ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት(ኢዜኣ)ን ሚኒስቴር ግብርናን “ካብ ተመፅዋታይነት ናብ መፍረያይነት” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተዳለወ መድረኽ ዘተ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ፤ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዲሞክራሲ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ እውነቴ ኣለነ፣ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር መተሓባበሪ ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ሚኒስትር ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)፣ሚኒስትር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ ተስፋሁን ጎበዛይን ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ግብርና ሶፊያ ካሳ (ዶ/ር)ን ተረኺቦም።
ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዲሞክራሲ ኣይተ እውነቴ ኣለነ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ካብ ተመፅዋታይነት ናይ ምልቓቕ ኣጀንዳ ምዕዋት ዘኽእሉ ዝጭበጡ ውፅኢታት እናመዝገበት እያ።
እቲ ሃገር ቦቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ካብ ተመፅዋታይነት ናብ መፍረያነት ዘሰጋገረ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ካብ መርኣያታት ዓርስኻ ምኽኣል እውን መፍረያይነት ስርናይ ከም ኣብነት ፀሪሖም።
ዜጋታት ካብ ተመፅዋታይነት ብዘላቕነት ምልቓቕን ዓርሶም ንክኽእሉ ምግባርን ጉዳይ ህልውና ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ሃገራዊ ሽቶ ብዝተማልአ ብርኪ ተግባራዊ ንምግባር ምውዳድ ሚድያን ትካላት እቲ ዓውድን ከምዘድሊ ተዛሪቦም።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢዜኣ ኣይተ ሰይፈ ደርቤ ብግደኦም፤ ከም ሃገር ብምግቢ ዓርስኻ ንምኽኣል ዝተጀመረ ሽቶ ምፍራይ ዝዕወት ግቡእ ግንዛበ ምፍጣር እንትከኣል እዩ ኢሎም።
ኢዜኣ ኣብ ሃገራዊ ሽቶ ካብ ተመፅዋታይነት ናብ መፍረያይነት ምስግጋር ግንዛበ ዝፈጥሩ ስራሕቲ ትሕዝቶ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር እናሰርሐ ከምዝርከብ እውን ኣረዲኦም።