ብመስዋእቲ ዝዘለቐ ሉኣላዊነት ኢትዮጵያ ሙሉእ ዝኸውን መርኣያነት ብልፅግናኣ እንትረጋገፅ እዩ-ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ብመስዋእቲ ዝዘለቐ ሉኣላዊነት ኢትዮጵያ ሙሉእ ዝኸውን መርኣያነት ብልፅግናኣ እንትረጋገፅ እዩ-ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 6/2018(ኢዜኣ) በመስዋእቲ ዝዘለቐ ሉኣላዊነትን ነፃነትን ኢትዮጵያ ሙሉእ ዝኸውን መርኣያነት ብልፅግናኣ እንትረጋገፅ እዩ ክብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር መተሓባበሪ ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ሚኒስትር ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ብምትሕብባር ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎትን ሚኒስቴር ግብርናን “ካብ ተመፅዋታይነት ናብ መፍረያይነት” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተዳለወ መድረኽ ዘተ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ፤ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዲሞክራሲ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ እውነቴ ኣለነ፣ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር መተሓባበሪ ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ሚኒስትር ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)፣ሚኒስትር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ ተስፋሁን ጎበዛይን ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ግብርና ሶፊያ ካሳ (ዶ/ር)ን ተረኺቦም።
ኣብቲ መድረኽ መዛተዪ ፅሑፍ ዘቕረቡ ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)፤ ዝተማልአ ሉኣላዊነት ኣካል ጉዕዞ ምርግጋፅ ክብሪ ሃገር እዩ ኢሎም።
ስለዝኾነ ድማ በመስዋእቲ ዝዘለቐ ሉኣላዊነትን ነፃነትን ኢትዮጵያ ሙሉእ ዝኸውን መርኣያነት ብልፅግናኣ እንትረጋገፅ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ካብ ተመፅዋታይነት ምልቓቕ ኣካል ብሄራዊ ረብሓ ኮይኑ ስትራቴጂክ ኣጀንዳ መንግሥቲ ተገይሩ ብኣንፈት ፖሊሲ እናተመርሐ ከምዝኾነ እውን ፀሪሖም።
ሉኣላዊነት ኢኮኖሚ፣ሉኣላዊነት ብሄራዊ ረብሓ፣ሉኣላዊነት ፖለቲካ፣ሉኣላዊነት ባህልን መንነትን ብሓባር ተዋዲዶም ህልውና ሃገር ዘፅንዑ ጉዳያት እዮም ኢሎም።
ዝተማልአ ሉኣላዊነት ካብ ውሽጢ ናብ ወፃኢ ዝጥምት ኣንፈት ፖሊሲ ብምኽታል ኣተሓሳስባ ተመፅዋታይነትን ልመናን ምውጋድ፣እቲ ህዝቢ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ምስግጋር፣ብልፅግና ማሕበረሰብን ቤተሰብን ምርግጋፅን ሃገር ካብ ተመፅዋታይነትን ፅግዕተኛነትን ምልቓቕን ካብቶም ሽቶታት ኣንፈት ፖሊሲ መንግሥቲ ከምዝኾኑ ኣረዲአም።
ክሳብ ሕዚ ከም ሃገር ዝተቐመጡ ሽቶተት ንምዕዋት ዝተባብዑ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡን ጭቡጥ ኩለ መዳያዊ ውፅኢት ከምዝተመዝገበን እውን ተዛሪቦም።