መንግሥትና ንህዝቢ የዳምፅ፣ካብ ህዝቢ ንዝለዓሉ ሕቶታት ግቡእ ምላሽ ይህብ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ - ኢዜአ ትግርኛ
መንግሥትና ንህዝቢ የዳምፅ፣ካብ ህዝቢ ንዝለዓሉ ሕቶታት ግቡእ ምላሽ ይህብ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 27/2018(ኢዜኣ) መንግሥትና ንህዝቢ የዳምፅ፣ካብ ህዝቢ ንዝለዓሉ ሕቶታት ግቡእ ምላሽ ይህብ ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ ሎሚ መዓልቲ ካብ ንጉሆ ጀሚርና ምስ ነበርትና ሰፊሕ ዘተ ገይርና ኢለን።
እቶም ዘተታት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከቡ ኩሎም ክፍለ ከተማታት ብሰፊሑ ከምዝተሳለጡ እውን ሓቢረን።
ኣብቶም ዘተታት፤ ኣቦታት ሃይማኖት፣ዓበይቲ ዓዲ፣መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን፣ማሕበረሰብ ንግዲ፣ሰብ ሃፍትን ሙሁራንን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ከምዝተሳተፉ ኣረዲአን።
ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ህዝባዊ መድረኻት ካብ ነበርትና ንዝተልዓሉ ሕቶታት፣ቅሬታትን ርኢቶታትን ብተግባር ዝተውሃቡ መልስታት ከምኡ እውን ዝተረፉ ስራሕቲ ብዝምልከት ብዝርዝር ቀሪቦም ተዘትይሎም ክብላ እውን ገሊፀን።
እተን ከንቲባ ከምዝበልኦ፤ ላዕለዎት ኣመራርሓ ከተማናን ሚኒስትራትን እቶም መድረኻት ብምምራሕ ካብ ህዝቢ ኣብ ዝተልዓሉ ሕቶታት መብራህርሂ ሂቦም፤ ገዛ ዕዮ እውን ወሲዶም።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ዝተመዝገቡ ዝነኣዱ ዓወታት መንግሥትን ህዝብን ሓደ ኮይኖም ብምውዳድን ብምንባብን ምፍፃም ብምኽኣሎም ከምዝኾነ ፀሪሐን።
“ሎሚ እውን ብምትሕብባር መንግሥትን ህዝብን ዝተሰርሑ ብርክት ዝበሉ ስራሕትን ዝተመዝገቡ ውፅኢታትን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምኡ እውን ተሳትፎ ህዝቢ ብዝበለፀ ኣብ ዘረጋግፁ ቀፀልቲ ሓባራዊ ትልምታት ከም ቀደምና ምስ ነበርትና ጠቓሚ እታዎት ዝረኸብናሉ መድረኽ ዘተ ኔሩ” ኢለን።
መንግሥትና ንህዝቢ የዳምፅ፣ካብ ህዝቢ ንዝለዓሉ ሕቶታት እውን ግቡእ ምላሽ ይህብ ክብላ ሓቢረን።
ክቡራት ነበርትና ንዝሃብኩምና ሃናፂ ርኢቶ፣ንዝነበረኩም ልዑል ተሳትፎ፣ንዝሃብኩምና ክቡር ግዜኹም ብሽመይን ብሽም እቲ ምምሕዳር ከተማን ካብ ልቢ የመስግን ክብላ እውን ምስጋና ኣቕሪበን።
ኣብ ቀፃሊ እውን ብዝበለፀ ተቐራሪብና ምስራሕና ክንቕፅለሉ ኢና ክብላ መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።