ብኣምባሳደር ጀነራል ባጫ ደበሌ ዝተፅሓፈ መፅሓፍ “የፀረ-ሽምቅ ውጊያ ጥበብ” ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 27/2018(ኢዜኣ) ብኣምባሳደር ጀነራል ባጫ ደበሌ ዝተፅሓፈ መፅሓፍ “የፀረ-ሽምቅ ውጊያ ጥበብ” ሎሚ ተመሪቑ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ፤ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፣ምክትል ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ጄኔራል ኣበባው ታደሰን ዳይሬክተር ጄኔራል ኣገልግሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴንን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣጋይሽ ተረኺቦም።



ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፤ ኢትዮጵያ ዋላ ኳ ዝተሰነደ ማኑዋት ውግእ ፀረ ደባይ ዝነበራ እንተኾነት ዝተመሓየሸ ከምዘይነበረ ብምዝኽኻር መፅሓፍ ''የፀረ-ሽምቅ ውጊያ ጥበብ" ግና ነዚ ዘበን ዝምጥንን ንመራሕቲ ሰራዊት መምሃሪነት ልዑል ጥቕሚ ዘለዎን ከምዝኾነ ገሊፆም።
ኣምባሳደር ጄኔራል ባጫ እዚ መፅሓፍ ንኣንበብቲ ብምብርካቶም ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ምምስጋኖም እውን ኢዜኣ ካብ ኦንላይን ሚድያ ምክልኻል ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።


 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም