መደመራዊ ከይዲ ስግግር ዝላ ሰለስተ ቁልፊ ነገራት ዝሓዘ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
መደመራዊ ከይዲ ስግግር ዝላ ሰለስተ ቁልፊ ነገራት ዝሓዘ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 22/2018 (ኢዜኣ) መደመራዊ ከይዲ ስግግር ዝላ ናብ ውፅኢት ምቕያር፣ናብ ካሊእ ምስጋርን ንቕድሚት ብቕልጡፍ ምጉዓዝን ዝተብሃሉ 3 ቁልፊ ነገራት ከምዝሕዘ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊጾም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ “ብምልከታ ናይ መደመር መንግሥቲ፤ ዝላ ዓውድታት”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ንላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ስልጠና ሂቦም።
ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መደመራዊ መንገዲ ዝላ ክልተ ዋና ዋና ዕላማታት ከምዘለውዎ ብምግላፅ እቲ ሓደ ምስቲ ቀዳማይ ዘሎ ኣፈላላይ ብቕልጡፍ ምፅባብ እንትኸውን እቲ ካልኣይ ድማ እመርታዊ ዕቤት ምምፃእ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ብመሰረት እዚ እውን መደመራዊ መንገዲ ዝላ ካልኦት ዝረገፅዎ ኩሉ ምርጋፅ ግቡእ ከምዘይኮነ፤ ውፅኢት ርኢና ካብኡ ምምሃር ንኽእል ኢና ኢሉ ከምዝኣምን ሓቢሮም።
ብሓፈሻ ከይዲ ስግግር መደመራዊ መንገዲ ዝላ ሰለስተ ቁልፊ ነገራት ከምዝሕዝ ብምግላፅ፤ ንሳቶም እውን ናብ ውፅኢት ምቕያር፣ናብ ካሊእ ምስጋርን ንቕድሚት ብቕልጡፍ ምጉዓዝን ከምዝኾኑ ኣብራህሪሆም።
እዚ ማለት ድማ ነባር ዓቕምታት ናብ ውፅኢት ምቕያር፣ሓደሽቲ ዓውድታት ምፍጣርን ምስጋርን፣ኣብ ውሽጢ ዓውድታት እውን ዝፍጠር ምምጥጣን ምስላጥ፣ሓደሽቲ ዓቕምታት ልምዓት ምውፃእ፣ሓደሽቲ ዕድላት ዕዳጋ ምፍጣር ከምዝሓትት ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ እውን ዘለና ዓቕሚ ምምዕባል፣መዋቕራዊ ስግግር ምርግጋፅ፣ፍልጠት ከም ፍርያት ምጥቃም ከምኡ እውን ካብ ፈተና ክወፅእ ዝኽእል ዕድል እንተሃልዩ ፀገማት ናብ ዕድል ምቕያር ትፅቢት ይግበር ኢሎም።