መባፅሒ መንግስቲ መደመር ኩለ መዳያዊ ብልፅግና እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 22/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መባፅሒ መንግስቲ መደመር ኩለ መዳያዊ ብልፅግና ከምዝኾነ ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ “ብምልከታ ናይ መደመር መንግሥቲ፤ ዝላ ዓውድታት”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ንላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ስልጠና ሂቦም።



ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መባፅሒ መንግስቲ መደመር ኩለ መዳያዊ ብልፅግና ከምዝኾነ ብምግላፅ ኩለ መዳያዊ ማለት ድማ ግብረ ገብነት ብዘየበላሹ መልክዑ ትግሃትን ነዚ ዘበን ዝምጥንን ብቕዓት ደሚሩ ምሓዝ እዩ ክብሉ ኣረዲኦም።
ኩለ መዳያዊ ብልፅግና ማለት ገንዘብ ጥራሕ ዘይኮነስ ኩሉ ነገር ኣብ ውሽጡ ዘማልአ እዩ ኢሎም።
እዚ ማለት ድማ ዝበልፀገ ግን ድማ ዘይሰልጠነ፤ ዝሰልጠነ ግን ዘይበልፀገ ሰብ ንከይህሉ ምትጋህ ማለት ከምዝኾነ ኣብራህሪሆም።
ኣብዚ መዳይ ዓምድታት ሃገራዊ ብልፅግና ከምዘለዉ ብምሕባር፤ ንሳቶም እውን ኢኮኖሚ(ካብ ኩሉ፣ ንኹሉ፣ብኹሉ)፣ፖለቲካ(ሓቛፍን ኣሳታፍን)ን ማሕበራዊ(ወለዶኣዊ ልምዓት)ን ዝብሉ ከምዝኾኑ ኣረዲኦም።



ቁልፊ ሕቶታት ወለዶ መደመር እውን ኢትዮጵያ እንታይ ትምሰል?፣መንግስቲ እንታይ ይምሰል?ን ወለዶ እንታይ ይምሰል?ን ዝብሉ እዮም ኢሎም።
ብካሊእ መዳይ መልክዕን ቅርፅን ኢትዮጵያ ወለዶ መደመር፤ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ዘለዋ፣ፀጋ ሕውነት ዘፅነዐት፣ሲቪል ባህሊ ዝጠንከረላን ዞባዊ ምትእስሳር ዘጠናኸረትን እያ ክብሉ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም