ሕቶ ዋንነት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ታሪኻውን ሕጋውን መሰረት ዘለዎ እዩ-ሙሁራን


ደሴ/ሕዳር/ 20/2018(ኢዜኣ) ሕቶ ዋንነት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ታሪኻውን ሕጋውን መሰረት ዘለዎ ከምዝኾነ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወሎ ዝሰርሑ ሙሁራን ታሪኽን ፖለቲካል ሳይንስን ገሊፆም።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወሎ መምህርን ተመራማርን ታሪኽ  ጋሻው መሐመድ(ዶ/ር)ን መምህር ፖለቲካል ሳይንስን ዓለም ለኸ ርክብን እንድሪስ ሁሴንን ኣብ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኣመልኪቶም ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ሕቶ ምምላስ ኢትዮጵያ ብሽርሒ ዝሰኣነቶ ዋንነት በሪ ባሕሪ ሕጋዊ መሰረት ዘለዎ ጉዳይ ህልውና እዩ ኢሎም።
ሕዚ ዝምዝገብ ዘሎ ቅልጡፍ ዕቤት ኢትዮጵያ ንምቕፃልን ዓለም ለኸ ተሰማዕነታ ብዝበለፀ ንምጉላህን ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ልዑል እጃም ከምዘለዎ ኣረዲኦም።
እዚ ድማ እናዓበየ ዝመፀ ቁፅሪ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምትእንጋድ ዘኽእል ዕቤት ንምቕፃልን ምስ ሃገራት እቲ ዞባ ብሓባር ንምልማዕን ሓጋዚ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ስለዝኾነ እውን ሕቶ ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ታሪኻውን ሕጋውን መሰረትት ዘለዎ ከምኡ እውን ዜጋታት ንተግባራዊነቱ ርብርብ እናገበርሉ ዘለዉ ሓቂ ከምዝኾነ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም