ንዕዉትነት እቲ ሃገራዊ ምኽክር ተሳትፎ መዳርግቲ ኣካላት ተጠናኺሩ እናቐፀለ እዩ-እቲ ኮሚሽን - ኢዜአ ትግርኛ
ንዕዉትነት እቲ ሃገራዊ ምኽክር ተሳትፎ መዳርግቲ ኣካላት ተጠናኺሩ እናቐፀለ እዩ-እቲ ኮሚሽን
ጋምቤላ/ሕዳር 20/2018(ኢዜኣ) ንዕዉትነት እቲ ሃገራዊ ምኽክር ተሳትፎ መዳርግቲ ኣካላት ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ መላኩ ወልደማሪያም ገሊፆም።
“እጃም ደቂ ኣንስትዮ፣መናእሰይን ጉዱኣት ኣካልን ንውፅኢታዊ ሃገራዊ ምኽክር”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ጋምቤላ መድረኽ መጨበጢ ግንዛበ ይካየድ ኣሎ።
እቶም ኮሚሽነር ኣብ መኽፈቲ እቲ መድረኽ ከምዝበልዎ፤ ንፀገማት ብዘተ ዘላቒ መፍትሒ ንምሃብ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ተሳትፎ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ተጠናኺሩ እናቐፀለ እዩ።
ደቂ ኣንስትዮን ጉዱኣት ኣካልን በቲ ምኽክር ንፀገማት መፍትሒ ንምቕራብ ኣብ ዝግበሩ ፃዕሪ ልዑል እጃም ከምዘለዎም እውን ኣረዲኦም።
ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ሃገር ንምርግጋፅ ደቂ ኣንስትዮ፣ መናእሰይን ጉዱኣት ኣካልን ዘለዎም ዓቕሚ ብምጥቃም እቲ ዝተጀመረ ሃገራዊ ምኽክር ምዕዋት ይግባእ ኢሎም።