ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ - ኢዜአ ትግርኛ
ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 20/2018(ኢዜኣ) ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ መበል 50 ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ።
እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ መበል 50 ስሩዕ ኣኼብኡ ዘመሓላለፎም ውሳነታት፡-
1. እቲ ቤት ምኽሪ ብቀዳምነት ኣብ ኣብ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 እዩ ዘትዩ። እቲ ስትራቴጂ ንዜጋታት ሓደሽቲ ዕድላት ንምፍጣር፣ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ንምዕባይን መሰረተ ልምዓታት ንምስፍሕፋሕ፣ሰናይ ምምሕዳር ንምርግጋፅን ዕቤት ኢኮኖሚ ንምቅልጣፍን ዝግበሩ ዘለዉ ፃዕርታት ብዝሓሸ መንገዲ ንምዕዋት ዝዓለመ እዩ። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ስትራቴጂ በሰፊሑ ድሕሪ ምዝታዩ በቲ ቤት ምኽሪ ካብ ዝፀደቐሉ መዓልቲ ጀሚሩ ተግባራዊ ንክግበር ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
2. እቲ ቤት ምኽሪ ቀፂሉ ድማ ምስ ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓት ኣብ ዝተፈረሙ ክልተ ስምምዓት ደገፍ ፋይናንስ እዩ ዘትዩ። እቲ ፈላማይ ንመፈፀሚ ፕሮግራም ዘላቕን ንፁህን ለውጢ ተበፃሕነት ኢነርጂ ንምቅልጣፍ ዝውዕል 294,900,000 ኤስ. ዲ. ኣር ስምምዕ ልቓሕ እንትኸውን፤ እዋን ችሮታ 6 ዓመት ሓዊሱ ኣብ 38 ዓመታት ተኸፊሉ ዝዛዘም እዩ። እቲ ካልኣይ ድማ ንመፈፀሚ ፕሮጀክት ትራንስፎርሜሽን ክእለትን ዞባዊ ውህደትን ምብራቕ ኣፍሪካ ዝውዕል ተወሳኺ 20,000,000 ኤስ. ዲ. ኣር ስምምዕ ልቓሕ እንትኸውን እዋን ችሮታ 6 ዓመት ሓዊሱ ኣብ 31 ዓመታት ተኸፊሉ ዝዛዘም እዩ። ክልቲኦም ልቓሓት ካብ ወለድ ነፃን 0.75% ክፍሊት ኣገልግሎት ዝኽፈለሎምን እዮም። እቲ ቤት ምኽሪ እቶም ስምምዓት ልቓሕ ምስ ስትራቴጂ ምምሕዳር ልቓሕ ሃገርና ዝጠዓዓሙ ምዃኖም ብምርግጋፅ ናብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ንክመሓላለፉ ወሲኑ።
3. ብምቕፃል እቲ ቤት ምኽሪ በዓል መዚ ሓለዋ ከባብን ብሄራዊ ቴኣትር ኢትዮጵያን ንዝህብዎም ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ክፍሊት ኣገልግሎት ንምውሳን ኣብ ዝቐረቡ ክልተ ረቂቕ ደንብታት ዘትዩ። እቶም ትካላት ኣገልግሎት ንምሃብ ዘውፅእዎ ወፃኢ ሸፊኖም ኣታዊኦም ብምዐባይ ፅሬት ዘለዎ ኣገልግሎት ብምሃብ ዕግበት ተገልገልቲ ምዕባይ ስለዘድለየ ዓቕሚ ተገልጋሊ ብዘገናዘበ መልክዑ ተመን ክፍሊት ኣገልግሎት ተዳሊዉ ቀሪቡ እዩ። እቲ ቤት ምኽሪ እውን ኣብቶም ረቀቕ ደንብታት ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝታዩ ኣብ ጋዜጣ ነጋሪት ፌዴራል ተሓቲሞም ካብ ዝወፅእሉ መዓልቲ ጀሚሮም ተግባራዊ ንክግበሩ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
4. ቀፂሉ ድማ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ 4 ክልቲኣዊ ስምምዓት እዩ ዘትዩ። እቲ ፈላማይ ምስ መንግስቲ ሪፐብሊክ ህዝባዊት ቻይና ኣብ ጉዳያት ገበን ሓባራዊ ምትሕብባር ሕጊ ንምግባር ዝተገበረ ስምምዕ እዩ። እቶም ካልኦት ክልተ ስምምዓት ምስ መንግስቲ ሪፐብሊክ ህዝባዊት ቻይናን ፌዴራላዊ ሪፐብሊክ መንግስቲ ብራዚልን ፍርደኛታት ንምትሕልላፍ ዝተገበሩ ስምምዓት እዮም። እቲ ራብዓይ ድማ ምስ መንግስቲ ሪፐብሊክ ደቡብ ኣፍሪካ ዝተገበረ ስምምዕ ኣሕሊፍካ ምሃብ እዩ። እቲ ቤት ምኽሪ እውን እቶም ስምምዓት እንፀዲቖም ኢትዮጵያ ምስተን ሃገራት ውፅኢታዊ ማዕቐፍ ሕጊ ክልቲኣዊ ምትሕብባር ምክልኻል ገበን ንምፍጣር ዘኽእሉ ምዃኖም ብምርዳእ እቶም ረቂቕ ኣዋጃት ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ንክመሓላለፉ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
5. ካሊእ እቲ ቤት ምኽሪ ዝዘተየሉ ኣጀንዳ፤ ረቂቕ ደንቢ ፊርማ ኤሌክትሮኒክ እዩ። ንቁፅሪ ኣዋጅ ፊርማ ኤሌክትሮኒክ 1072/2010 ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ስራሕ ንምውዓል ዘድልዩ ስርዓታት ብመሰረት እቲ ኣዋጅን እቲ ዝተመሓየሸ ቁፅሪ ኣዋጅ ፊርማ ኤሌክትሮኒክ 1358/2017ን ግልፅን ተሓታትነት ብዝተረጋገፀሉ መልክዑን ተግባራዊ ንምግባር ንከኽእል ኮይኑ እቲ ደንቢ ተዳሊዉ ቀሪቡ እዩ። እቲ ቤት ምኽሪ እውን ኣብቲ ደንቢ ብሰፊሕ ድሕሪ ምዝታዩ ኣብ ጋዜጣ ነጋሪት ፌዴራል ተሓቲሙ ካብ ዝወፅኣሉ መዓልቲ ጀሚሩ ተግባራዊ ንክግበር ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
6. ኣብ መወዳእታ እውን እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ቁፅሪ ደንቢ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኢሚግሬሽን 114/1997 ንምምሕያሽ ኣብ ዝቐረበ ደንቢ እዩ ዘትዩ። እቲ ትካል ብኣዋጅ ዝተውሃቦ ተግባርን ሓላፍነትን ንምውፃእ ንከኽእሎ እቲ ደንቢ ተዳሊዉ ቀሪቡ እዩ። እቲ ቤት ምኽሪ እውን ኣብቲ ደንቢ ብሰፊሕ ድሕሪ ምዝታዩ ኣብ ጋዜጣ ነጋሪት ፌዴራል ተሓቲሙ ካብ ዝወፅኣሉ መዓልቲ ጀሚሩ ተግባራዊ ንክግበር ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።