ኢትዮጵያ ኣካል ዓለም ለኸ መስመራት ንግዲ ክትኸውን ኣለዋ-ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ፈረንሳይ ጄነራል ፒየር ሺል

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 19/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣካል ዓለም ለኸ መስመራት ንግዲ ክትኸውን ከምዘለዋ ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ፈረንሳይ ጄነራል ፒየር ሺል ገሊፆም።
ቅድሚ መዓልትታት ኣብ ክልቲኣዊ ወታደራዊ ጉዳያት ምስ ጀነራል መኮንናት ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ዝዘተዩ ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ፈረንሳይ ጄነራል ፒየር ሺል፤ ዝተፈላለዩ ትካላት ድሕሪ ምጉብናዮም ምስ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ እውን ዘትዮም እዮም።



ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ፈረንሳይ ጄነራል ፒየር ሺል   "ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ብሰላማዊ መንገዲ ንምርካብ ዘለዋ ድሌት ከመይ ይሪእዎ?"ዝብል ካብ ጋዜጠኛታት ሚድያ ምክልኻል ንዝተልዓለሎም ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፤ “ኢትዮጵያ ብጣዕሚ ዓባይ ሃገር እያ፣ኣዝዩ ዓብይ ሓይሊ ኢኮኖምን በዝሒ ህዝብን ዘለዋ ስለዝኾነት ኣካል ዓለም ለኸ መስመራት ንግዲ ክትኸውን ኣለዋ።
ቀንዲ ዕላማ ምስ ኢትዮጵያ ዝተገበረ ወታደራዊ ምትሕብባር እውን ፈረንሳይ ምስ ኢትጵዮያ ዘለዋ ምትሕብባር ንምምሕያሽ ኣዲስ ኣበባ ብምርካበይ ኮሪዐ እየ።
ስለዝኾነ ድማ ምትሕብባርና ብዋናነት ኣብ ደገፍ ወታደራዊ ናውቲ፣ስራሕቲ ኣወጋግዳ ፈንጂ፣ስልጠና ሓይሊ ሰብን ካልኦትን እዩ”ክብሉ ተዛሪቦም።
ጄነራል ፒየር ሺል፤ ኢትዮጵያ ድሕንነት እቲ ዞባ ኣብ ምሕላው ቀንዲ ተዋሳኢት ምዃና ብምግላፅ ተሳትፎ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ኣድላይ ከምዝኾነን ከም ተወካሊ ሰራዊት ፈረንሳይ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝድግፉን ኣረዲኦም።



ንተሳትፎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብምንኣድ፤ "ኢትዮጵያ ብጣዕሚ ዓባይ ሃገር እያ፣ብጣዕሚ ጠንካራ ሰራዊት እውን ኣለዋ እዩ፤ ካብዚ ሰራዊት ብዙሕ እንመሃሮ ነገር ኣሎ እዩ” ክብሉ ብኣፅንኦት ምግላፆም ሚድያ ኦንላይን ምክልኻል ንኢዜኣ ዝለኣኾ ሓበሬታ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም