እቲ ኣመራርሓ ንዕዉትነት ሃገራዊ ሽቶታትን ህንፀት ኣተኣኻኻቢ ተረኽን ኣብ ትኽክለኛ ሓበሬታ መሰረት ዝገበረ ስራሕ ኮሙኒኬሽን ከጠናኽር ኣለዎ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 19/2018(ኢዜኣ) እቲ ኣመራርሓ ሃገራዊ ሽቶታት ልምዓት ንምዕዋትን ህንፀት ኣተኣኻኻቢ ተረኽ ጋህዲ ንምግባርን ኣብ ትኽክለኛ ሓበሬታ መሰረት ዝገበረ ስራሕ ኮሙኒኬሽን ከጠናኽር ከምዘለዎ ኣካቢ ክላስተር ኢኮኖሚ ኣወዳድባታት ትካላት ፌዴራል ፓርቲ ብልፅግናን ሚኒስትር ኢንዱስትርን መላኩ ኣለበል ገሊፆም።
ብክላስተር ብልፅግና ኢኮኖሚ ዝተዳለወን ኣብ ትንተና ፖለቲካ፣ማሕበራዊ ሚድያን ትንተና ኩነታትን ትኹረት ዝገበረን መድረኽ ስልጠና ኣሰልጠንቲ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።



ኣካቢ ክላስተር ኢኮኖሚ ኣወዳድባታት ትካላት ፌዴራል ፓርቲ ብልፅግናን ሚኒስትር ኢንዱስትርን መላኩ ኣለበል ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ህዝቢ ብምስታፍ ዝተትሓዙ ሃገራዊ ሽቶታት ልምዓት ንምዕዋት ህንፀት ኣተኣኻኻቢ ተረኽ ጋህዲ ምግባር ወሳኒ እዩ።
ኣብዚ መዳይ ኣብ ትኽክለኛ ሓበሬታ መሰረት ዝገበረ ኮሙኒኬሽን ፖለቲካ ልዑል እጃም ከምዘለዎ ብምሕባር፤ እቲ ኣመራርሓ ዝተሳለጡ ስራሕትን ዝተረኸቡ ውፅኢታትን ብኣግባቡ ንምልላይ ብትኹረት ንክሰርሕ ኣፅንኦት ሂቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም