ሰላም፣ሓድነትን ብልፅግናን ኣፍሪካ ንምርግጋፅ ህንፀት ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ውፅኢታዊ ሃገረ መንግስትን ወሳኒ እዩ 

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 19/2018(ኢዜኣ) ሰላም፣ሓድነትን ብልፅግናን ኣፍሪካ ንምርግጋፅ ህንፀት ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ውፅኢታዊ ሃገረ መንግስትን ወሳኒ ከምዝኾነ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ገሊፆም።
መበል 4ይ ዓለም ለኸ ሲምፖዜም ሕገ መንግስታዊ ኣብያተ ፍርድን ተዛመድቲ ትካላትን ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።



ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኣብ መኽፈቲ እቲ መድረኽ ኣብ ዝገበርዎ መደረ ከምዝበልዎ፤ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ምስ ሕጊ ምውፃእ ዝተኣሳሰረ ጥራሕ ዘይኮነስ ልዕልነት ሕጊ ንምኽባር፣ተሓታትነት ንምርግጋፅን መሰረታዊ መሰላት ንክኽበሩን ዘኽእል እዩ።
ሕገ መንግስቲ ስልጣን ፖለቲካ ብሓላፍነት ምውፃእ ዘኽእል ስርዓት ንምዝርጋሕ ዘኽእል ከምዝኾነ እውን ወሲኾም ሓቢሮም።
ኣፍሪካ ሕገ መንግሥታዊ ምምሕዳር ንምርግጋፅ ትገብሮ ፃዕሪ ዝተፈላለዩ ፈተናታት እናጋጠምዎ ከምዝርከብ እውን ተዛሪቦም።
ስልጣን ብሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ድምፂ ህዝብን ካብ ምርካብ ብመፈንቅለ መንግስትን ተቓውሞን ንምርካብ ዝግበር ፃዕሪ ኣብታ ኣህጉር ካብ ዘጋጥሙ ፈተናታት እቲ ሓደ እዩ ኢሎም።



ኢትዮጵያ ኣብዚ መዳይ ዝተፈለየ ልምዲ ዘለዋ ሃገር ከምዝኾነት ብምግላፅ፤ ኣብቲ ንጉሳዊ ስርዓት ዝነበረ ፍትሐ-ነገሥት ከምኡ እውን ከም ስርዓት ገዳ ዝበሉ ሃገር ቦቆል ስርዓታት ሕግን ምምሕዳርን ከምዘለዉ ገሊፆም።
ካብ መበል 20 ክፍለ ዘበን ጀሚሩ ሕገ መንግስቲ ዘለዋ ሃገር ከምዝኾነት እውን ፀሪሖም።
ሰላም፣ሓድነትን ብልፅግና እታ ኣህጉር ንምርግጋፅ ህንፀት ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ሃገረ መንግስትን ወሳኒ ስለዝኾነ ኩሉ ትኹረት ክገብረሉ ይግባእ ኢሎም

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም