ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ፍሉይ ምምሕዳር ሆንግ ኮንግ ኣብ ልዕሊ ህንፃ ብዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ ሓዊ ዝተሰመዓ ሓዘን ገሊፃ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ፍሉይ ምምሕዳር ሆንግ ኮንግ ኣብ ልዕሊ ህንፃ ብዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ ሓዊ ዝተሰመዓ ሓዘን ገሊፃ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 18/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ፍሉይ ምምሕዳር ሆንግ ኮንግ ኣብ ልዕሊ ህንፃ ብዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ ሓዊ ዝተሰመዓ ሓዘን ገሊፃ።
ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓዘን፤ ቤተሰብ እቶም ዝተጉድኡን በቲ መሕዘኒ ሓደጋ ግዳይ ንዝኾኑ ዜጋታትን ልባዊ ምፅንዕናዕ ከምዝምነ ገሊፁ።
ኢትዮጵያ ኣብዚ ኣፀጋሚ እዋን ምስ መንግስትን ህዝብን ቻይና ብምሕዝነት ጠጠው ከምትብል እውን ሓቢሩ።