ኩለ መዳያዊ ብልፅግና ንምርግጋፅ እቲ ኣመራርሓ ብቅዋም ምቕልጣፍን ምፍጣርን ክተግህ ይግባእ- ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ - ኢዜአ ትግርኛ
ኩለ መዳያዊ ብልፅግና ንምርግጋፅ እቲ ኣመራርሓ ብቅዋም ምቕልጣፍን ምፍጣርን ክተግህ ይግባእ- ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 18/2018(ኢዜኣ) ኩለ መዳያዊ ብልፅግና ንምርግጋፅ እቲ ኣመራርሓ ብቅዋም ምቕልጣፍን ምፍጣርን ክተግህ ከምዝግባእ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
"ብምልከታ መንግሥቲ መደመር፤ ዝላ ዓውድታት" ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ ፌዴራልን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ንዝተውፃእፅኡ ኣባላት ኣመራሓ ፓርቲ ብልፅግና ክወሃብ ዝፀንሐ ስልጠና ተዛዚሙ።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ብወሃብነት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ማሕበራዊ፣ኢኮኖሚያውን ፖለቲካውን ዓውድታት ብርክት ዝበሉ ውፅኢታት ተረኺቦም እዮም።
ኣብ ልምዓት ከተማ እውን ከተማ ኣዲስ ኣበባ መርኣያ ብልፅግና ንምግባር ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ውፅኢት ከምዝተረኸበ ብምግላፅ፤ ብልምዓት ኮሪደር፣ ህንፀትን ቀረብን ኣባይቲ፣ንፁህን ንመነባብሮ ምችውን ከባቢ ኣብ ምፍጣር ዝነኣዱ ዓወታት ተመዝጊቦም እዮም ኢለን።
ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ዝረኣዩ ፀገማት ዘላቒ መፍትሒ ንምምፃእ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ዘበናዊ ኣሰራርሓ ተግባራዊ እናተገበረ ከምዝርከብ እውን ኣብራህሪሀን።
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ በቢ ዓውድታቱ ዝተረኸቡ ውፅኢታት ንምዕባይ ቅዋም ምቕልጣፍን ምፍጣርን ብምኽታል እቲ ኣመራርሓ ንዝለዓለ ውፅኢት ክተግህ ከምዝግባእ ኣረዲአን።