ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣባል ጉጅለ 20 ዝገበረቶ ተሳትፎ ልዑል ዓወት ዲፕሎማሲ ዝተመዝገበሉ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 18/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣባል ጉጅለ 20 ዝገበረቶ ተሳትፎ ልዑል ዓወት ዲፕሎማሲ ዝተመዝገበሉ ከምዝኾነ ወሃቢ ቃል ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ገሊፆም።
ወሃቢ ቃል ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ኣብ ዋና ዋና ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ኣመልኪቶም ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ሂቦም።
ኣብ መግለፂኦም እውን፤ ኢትዮጵያ ጉባኤ ኮፕ-32(COP-32) 2027 ንክተተኣግድ ምምራፃ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምግታእ ንዝወሰደቶም ስጉምትታት ኣፍልጦ ዝሃበ እዩ ኢሎም።
እዚ ድማ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዓለም ለኸ ኣፍልጦ እናረኸበ ከምዝመፀ ዓብይ መርኣያ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ብተወሳኺ እውን ኢትዮጵያ ብልምዓት ኮሪደር ንፁህን ሓምለዋይን ከተማታት ንምስፍሕፋሕ ንዝወሰደቶም ዓበይቲ ስጉምትታት ኣፍልጦ ዝሃበ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ መበል 2ይ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣፍሪካ ብዓወት ምትእንጋዳ እውን ካሊእ ተወሳኺ መምረፂኣ ምኽንያት እዩ ኢሎም።
ብሓፈሻ ኢትዮጵያ ኣዳላዊት ኮፕ-32 ኮይና ምምራፃ ኣብ መድረኽ ዲፕሎማሲ ዘለዋ ተሰማዕነት ናብ ዝለዓለ ብርኪ እናተሰጋገረ ከምዝመፀ መርኣያ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ሚኒስትር ጉዳይ ጌዲዮን ጢሞቲዮስ (ዶ/ር) ተወካሊ ፕሬዚዳንት መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ኮፕ 32) ኮይኖም ምምራፆም እውን ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ጉጅለ 20 ብምስታፍ ዓወት ዲፕሎማሲ ከምዘመዝገበት ኣረዲኦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝገበርዎ መደረ ዋና ዋና ኣጀንዳታት ኣፍሪካ ምግላፆም እውን ኣዘኻኺሮም።
ምስ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን ዕዉት ዘተ ምግባሮም ብምግላፅ፤ በዚ ድማ ክልቲኣዊ ርክብ ምዕባይ ከምዝተኽኣለ ተዛሪቦም።
እዚ ድማ ልዕልና ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ዝተገለፀሉ እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም