ዲፕሎማሲያዊ ምሕዝነት ኢትዮጵያን ኔዘርላንድስን ኣብ ዓውድታት ንግድን ኢንቨስትመንትን ዕቤት እናመዝገበ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ዲፕሎማሲያዊ ምሕዝነት ኢትዮጵያን ኔዘርላንድስን ኣብ ዓውድታት ንግድን ኢንቨስትመንትን ዕቤት እናመዝገበ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 18/2018(ኢዜኣ) ዲፕሎማሲያዊ ምሕዝነት ኢትዮጵያን ኔዘርላንድስን ኣብ ዓውድታት ንግድን ኢንቨስትመንትን ዕቤት እናመዝገበ ከምዝኾነ ምክትል መራሒት ሚሲዮን ኤምባሲ ኔዘርላንድስ ኣብ ኢትዮጵያ ፓውላ ሸናድለር ገሊፀን።
ምክትል መራሒት ኮርፖሬሽን ሚሲዮንን ልምዓትን ኤምባሲ ኔዘርላንድስ ኣብ ኢትዮጵያ ፓውላ ሸናድለር፤ ኢትዮጵያን ኔዘርላንድስን ኣብ ሓባራዊ ተረባሕነት መሰረት ዝገበረ ጠንካራ ምሕዝነት ዘለወን ሃገራት እየን ኢለን።
ታሪኻዊ ርክብ ዲፕሎማሲ ክልቲአን ሃገራት እውን ኣብ ዓውድታት ምትሕብባር ልምዓት ኢኮኖሚ ዕቤት እናመዝገበ ከምዝኾነ ፀሪሐን።
ኔዘርላንድስ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ድሕንነት ምግቢ፣ምምሕዳር ሃፍቲ ማይን ካልኦት ዓውድታት ልምዓትን ዘለዋ ምሕዝነት ከምተጠናኽር እውን ተዛሪብን።
ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዝመፅእ ዘሎ ሓዱሽ ዓመት ፈረንጂ 2026 ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 1926 ርክብ ዲፕሎማሲ ንግዲ ክልቲአን ሃገራት ዝተጀመረሉ መበል 100 ዓመተን ከምዘኽብራ ኣፍሊጠን።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ፍርያታት ግብርና ፀጋ ኣብ ዝውስኹ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት ከባቢ 100 ኣልማዕቲ ትካላት የኔዘርላንድስ ከምዝተዋፈሩ እውን ኣረዲአን።