ኢትዮጵያን ኳታርን ዘለወን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ብዝበለፀ ምጥንኻርን ንሓባራዊ ረብሓ ምትሕብባራት ምዕባይን ኣብ ዝኽእላሉ ጉዳያት ዘትየን - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያን ኳታርን ዘለወን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ብዝበለፀ ምጥንኻርን ንሓባራዊ ረብሓ ምትሕብባራት ምዕባይን ኣብ ዝኽእላሉ ጉዳያት ዘትየን
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 18/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ኳታርን ዘለወን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ብዝበለፀ ምጥንኻርን ንሓባራዊ ረብሓ ምትሕብባራት ምዕባይን ኣብ ዝኽእላሉ ጉዳያት ዘትየን።
ሚኒስትር ምክልኻል ኢንጂነር ኣይሻ መሃመድ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ምክልኻልን ኳታር ሼክ ሳኡድ ቢን ኣብዱራህማን ቢን ሀሰን ኣል ታኒ ኣብ ክልቲኣዊ ጉዳያት ዘትየን።
ሚኒስትር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኢንጂነር ኣይሻ መሃመድ ንዑደት ስራሕ ሰለስተ መዓልትታት ኣብ ኳታር ዶሃ እየን ዝርከባ።
እተን ሚኒስትር ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ምክልኻልን ኳታር ሼክ ሳኡድ ቢን ኣብዱራህማን ቢን ሀሰን ኣል ታኒ ኣብ ክልቲኣዊ ጉዳያት ዘትየን።
ኣብ ዘተአን እውን፤ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ንሓባራዊ ረብሓታት ምትሕብባራት ንምዕባይን ድሌት ከምዘለዎም ኣፍሊጠን።
ብፍላይ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ምክልኻል ዘለወን ምትሕብባር ንምዕባይን ንምጥንኻርን ኣብ ዝከኣለሎም መንገድታት ዘትየን።
ብተወሳኺ እውን እተን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ኢንቨስትመንትን ህንፀት ዓቕምን ምትሕብባረን ንምዕባይ ፅኑዕ ድሌት ከምዘለወን ምግላፀን ኢዜኣ ካብ ኦንላይን ሚድያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።