ፈረንሳይ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ወታደራዊ ዓውዲ ትገብሮ ምትሕብባር ብዝበለፀ ክተጠናኽር እያ-ኣዛዚ ሰራዊት ምድሪ ፈረንሳይ ጄነራል ፒየር ሺል

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 17/2018(ኢዜኣ) ፈረንሳይ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ወታደራዊ ዓውዲ ዘለዋ ምትሕብባር ብዝበለፀ ብምጥንኻር ንምስራሕ ድሉውቲ ከምዝኾነት ኣዛዚ ሰራዊት ምድሪ እታ ሃገር ጄነራል ፒየር ሺል ገሊፆም።
ብኣዛዚ ሰራዊት ምድሪ ፈረንሳይ ጄነራል ፒየር ሺል ዝተመርሐ ወታደራዊ ልኡኽ ፈረንሳይ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ምክልኽል ፌዴሪኢ ኣብ ወታደራዊ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራትን ኦፕሬሽናት ምኽባር ሰላምን ዝምልከት ዘትዩ።



እቲ ወታደራዊ ምትሕብባር መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ዝገበርዎ ስምምምዕ ስዒቡ ዝተገበረ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።
ኢትዮጵያ ሰላም እቲ ዞባ ንምርግጋፅ ብትገብሮ ፃዕሪ ከምዝተሓጎሱ ዝገለፁ ጄኔራል ፒየር ሺል፤ ብቐፃልነት ኣድላይ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ብክልቲኣዊ ምትሕብባር ከምዝሰርሑ ገሊፆም።
ጄነራል ፒየር ሺል፤ ኣብ ልኡኽቶ ምኽባር ሰላም ተሳትፎ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣድላይ ስለዝኾነ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ ኢሎም።
ፈረንሳይ ንሓባራዊ ተረባሕነት ደገፍ ወታደራዊ ናውቲ፣ ስልጠና ሓይሊ ሰብን ዘይተቖራረፀ ወታደራዊ ምትሕብባርን ንምግባር ድሉውቲ ምዃና እውን ኣረዲኦም።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ጠንካራ ሓይሊ ምዃኑ ዝገለፁ ሓላፊ ዋና መምርሒ ትምህርትን ስልጠናን ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ጄኔራል ይመር መኮንን፤ እዚ ዘበን ብዝሓቶ ወታደራዊ ቴክኖሎኒ ተደጊፉ ግቡእ ንምውፃእ ምስ ፈረንሳይ ብምትሕብባር ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።
ምስ ፈረንሳይ ናይ ነዊሕ እዋን ወታደራዊ ርክብ ኣለና ዝበሉ ጄኔራል ይመር መኮንን፤ እዚ ዝፀንሐ ምሕዝነት ብዝተፈላለዩ ወታደራዊ ዓውድታት ኣጠናኺርና ክንቕፅለሉ ንደሊ ኢና ክብሉ ሓቢሮም።



ጄኔራል ፒየር ሺል ፅባሕ እውን ምስ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፌዴሪኢ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ተራኺቦም ከምዝዝትዩ ኢዜኣ ካብ ኦንላይን ሚድያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም