ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዘለወን ምትሕብባር እናዓበየ ከምዝመፀ ተገሊፁ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዘለወን ምትሕብባር እናዓበየ ከምዝመፀ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 17/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ኣብ ባህሊ፣ትምህርትን ኢኮኖምን ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ዓውድታት ዘለወን ምትሕብባር እናዓበየ ከምዝመፀ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራስን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ገሊፆም።
ኣይተ ኣደም ፋራህ ምስ ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሌክሲስ ላሜክ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘጠናኽሩ ጉዳያት ዘትዮም።
ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብዚ እዋን፤ ፈረንሳይን ኢትዮጵያን ኣብ ንግዲ ኢንቨስተመንት፣ዓውዲ ባህልን ሓድግን፣ ሲቪል ኣቪዬሽን ከምኡ እውን ኣብ ዓውድታት ፖለቲካን ዲፕሎማስን ጠንካራ ምትሕብባር ዘለወን ሃገራት እየን ኢሎም።
ሕድሳት ኣብያተ ክርስትያናት ላሊበላ ዕዉት ንክኸውን ፈረንሳይ ንዝገበረቶ ደገፍ እውን ኣመስጊኖም።
ኣብ ዓውዲ ትምህርትን ሳይንስን እውን እተን ሃገራት ጥቡቕ ምትእስሳር ከምዘለወን ብምግላፅ፤ ቤት ትምህርቲ ሊሴ ገብረማርያም፣ማእኸል ባህሊ ኣሊያንስ ኢትዮ ፍራንሲስ ከምኡ እውን ማእኸል መፅናዕቲ ኣብ ኢትዮጵያ ምጥያሹ ከም ኣብነት ፀሪሖም።
ብብርኪ ሃገር ተግባራዊ ብዝተገበረ ስራሕቲ ሪፎርም ኣብ ማሕበራዊ፣ኢኮኖምን ፖለቲካን ዝጭበጡ ውፅኢታት እናተረኸበሎም ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
እቲ ሪፎርም ኢኮምኖሚ ውፅኢታዊ ንክኸውን ደገፍ ፈረንሳይ ልዑል ከምዝኾነ ብምግላፅ፣፤ እቲ ምትሕብባር ኣብ ካልኦት ዓውድታት እውን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ዘለዎም እምነት ሓቢሮም።
ፓርቲ ብልፅግና እውን ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንክሰጋገር እጃሙ ከምዝዋፃእ ኣረዲኦም።
ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሌክሲስ ላሜክ ብግደኦም፤ ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ብፍላይ ድማ ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታ ዘለወን ርክብ እናተጠናኸረ ከምዝመፀ ተዛሪቦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ፈረንሳይ ዝገበርዎ ዑደት ከምኡ እውን ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ዑደት ስዒቡ ርክብ እተን ሃገራት ብዝበለፀ ከምዝተጠናኸረ ኣረዲኦም።
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ መራሕቲ ጉጅለ 20 እውን መራሕቲ እተን ሃገራት ውፅታዊ ዘተ ምግባሮም ሓቢሮም።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዝሳለጡ ዘለዉ ለውጥታት ዝተባብዑ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ እዚ ምትእስሳር ተጠናኺሩ ንክቕፅል ብቆራፅነት ከምዝስራሕ ገሊፆም።