ዓለም ለኸ ሲምፖዜም ሕገ መንግስታዊ ኣብያተ ፍርድን ተዛመድቲ ትካላትን ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ዓለም ለኸ ሲምፖዜም ሕገ መንግስታዊ ኣብያተ ፍርድን ተዛመድቲ ትካላትን ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 17/2018(ኢዜኣ) ዓለም ለኸ ሲምፖዜም ሕገ መንግስታዊ ኣብያተ ፍርድን ተዛመድቲ ትካላትን ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ መፃረዪ ጉባኤ ጉዳያት ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።
እቲ መፃረዪ ጉባኤ፤ መበል 4ይ ዓለም ለኸ ሲምፖዜም ሕገ መንግስታዊ ኣብያተ ፍርድን ተዛመድቲ ትካላትን ኣፍሪካ ኣመልኪቱ ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ሂቡ።
እቲ መግለፂ ዝሃቡ ዋና ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት መፃረዪ ጉባኤ ጉዳያት ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ ደሳለኝ ወዬሳ፤ እቲ ሲምፖዝየም 19 ሕዳር ኣብ መኣከቢ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ምክያድ ከምዝጅምር ገሊፆም።
ኣብቲ ሲፖዚየም ፕሬዚዳንትታት ሕገ መንግስታዊ ኣብያተ ፍርዲ እተን ኣባል ሃገራት፣ኣብ ዓለም ለኸ ትካላት ዝሰርሑ ሙሁራን እቲ ዓውድን ካልኦት ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ከምዝርከቡ ኣፍሊጦም።
ዓለም ለኸ ሲምፖዜም ሕገ መንግስታዊ ኣብያተ ፍርድን ተዛመድቲ ትካላትን ኣፍሪካ”ሕገ መንግስታውነትን ህንፀት ሃገረ መንግስትን”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዝካየድ ሓቢሮም።
ኣብቲ መድረኽ ኢትዮጵያ ተሞኩሮኣ ከምተካፍልን ኣብቲ ዓውዲ ዝተገበሩ ውፅኢታት ምርምር ቀሪቦም ከምዝዝተየሎምን እውን ተዛሪቦም።
ኣብቲ ሲምፖዚየን ንምስታፍ ኣጋይሽ ናብ ኢትዮጵያ እናኣተዉ ከምዝርከቡ ብምሕባር፤ እቶም ተሳተፍቲ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ዝተፈላለዩ ስፍራታት ከተማ ኣዲስ ኣበብ ከምዝዕዘቡ ኣረዲኦም።
እቲ ሲምፖዚየም ዕዉት ብዝኾነ መንገዲ ንምክያድ ኣድላይ ቅድመ ምድላው ከምዝተዛዘመ እውን ፀሪሖም።