ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ ጉጅለ 20 ምስታፋ ዓለም ለኸ ተሰማዕነታ ብዝለዓለ ብርኪ ከምዝዓበየ መርኣያ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 17/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ጉጅለ 20 ምስታፋ ዓቕሚ ዲፕሎማስን ዓለም ለኸ ተሰማዕነትን እታ ሃገር ኣብ ዝለዓለ ብርኪ ከምዝበፅሐ መርኣያ ከምዝኾነ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ ጃፋር በድሩ ገሊፁ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ጉጅለ ልኡኾምን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ጉጅለ 20 ዝተሳተፉ እንትኸውን፤ ጎና ጎኒ እቲ ጉባኤ ምስ ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን ዕዉት ዘተ ምግባሮም ዝፍለጥ እዩ።
ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ ጃፋር በድሩ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ጉጅለ 20 ልዕሊ 80 ሚኢታዊ ኢኮኖሚ ዓለም ዘንቀሳቕሳ ሃገራት ዘተኣኻኸበ መድረኽ እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ኣብቲ መድረኽ ዝገበረቶ ውፅኢታዊ ተሳትፎ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ዘለዋ ተሰማዕነት እናዓበየ ምምፅኡ መርኣያ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ጎና ጎኒ እቲ ጉባኤ ምስ ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን ዝነበሮም ክልቲኣዊ ዘተ፤ ምትሕብባር ልምዓት ፋይናንስን ዲፕሎማሲያዊ ርክብን ዘጠናኽር ውፅኢት ዝተረኸበሉ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ብፍላይ ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብቲ ጉባኤ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኢትዮጵያን ኣፍሪካን ኣብ ጉዕዞ ዕቤት ከምዝኾና ብኣፅንኦት ምግላፆም ኣረዲኦም።
ስለዝኾነ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ካብ ባዕላ ሓሊፋ ኣጀንዳታት ልምዓት ኣፍሪካ ኣብ ምስማዕ ኣወንታዊ ፅልዋ እናፈጠረት እያ ትርከብ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ኣብቲ መድረኽ ዕላዊ መልእኽቲ ንክተመሓላልፍ ዝተውሃባ ዕድል ዓቕሚ ዲፕሎማሲኣ ዝበፅሖ ብርክን ተሰማዕነታን ከምኡ እውን ሃገራዊ ክብርና እናዓበየ ምምፅኡ ዘመላኽት ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም