ኢትዮጵያን ኣዘርባጃንን ዘለወን ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምዝሰርሓ ገሊፀን - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያን ኣዘርባጃንን ዘለወን ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምዝሰርሓ ገሊፀን
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 9/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ኣዘርባጃንን ኣብ ፓርላማ፣ህዝቢ ንህብን ኢንቨስትመንትን ዘለወን ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምዝሰርሓ ኣፍሊጠን።
ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ንፍሉይ ልኡኽ ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ኣዘርባጃን ኣምባሳደር ኤልቺን ኣሚርባዮቭ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦሞም።
ኣብ ዘተኦም እውን፤ ኢኮኖሚያዊ፣ፖለቲካውን ህዝቢ ንህዝብን ምትእስሳር ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘጠናኽሩ ጉዳያት ዘትዮም።
ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንነዊሕ ዓመታት ዝዘለቐን እናተጠናኸረ ዝመፀን እዩ።
ክልቲአን ሃገራት ሲቪል ሰርቪስ ንምጥንኻር ከምኡ እውን ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ብምትሕብባር እናሰርሓ ምፅንሐን እውን ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ንኢንቨስትመንት ተመራፂት ዝገብርዋ ስራሕቲ እናሳለጠት ከምትርከብ ብምሕባር፤ ሰብ ሃፍቲ ኣዘር ባጃን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘለዉ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት ንክዋፈሩ ብሓባር ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።
ኣዘርባጃን ኮፕ 29 ከምዘተኣናገደት ብምግላፅ፤ ኢትዮጵያ ኮፕ 32 ብዓወት ንክተተኣናግድ ኣዘርባጃን ዘለዋ ልምድን ተሞኩሮን ንክተካፍላ ሓቲቶም።
ፍሉይ ልኡኽ ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ኣዘርባጃን ኣምባሳደር ኤልቺን ኣሚርባዮቭ ብግደኦም፤ ኢትዮጵያን ኣዘርባጃንን ዘለወን ምትእስሳር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።
ኣዘርባጃን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ንዓመታት ዝፀንሐ ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ፣ባህልን ንግድን ንምጥንኻር ከምዝስራሕ እውን ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ ኮፕ 32 ንምትእንጋድ ብምምራፃ እንኳዕ ደስ በለኩም ዝበሉ እቶም ፍሉይ ልኡኽ፤ ኣዘርባጃን ኮፕ32 ብዓወት ንክዛዘም ዘለዋ ልምድን ተሞኩሮን ንምክፋል ድልውቲ ምዃና ኣረጋጊፆም።