ምዝገባ ሕፁያት ኣብ መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ዝወዳደሩ ውድባት ፖለቲካ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ክካየድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 8/2018(ኢዜኣ) ምዝገባ ሕፁያት ኣብ መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ዝወዳደሩ ውድባት ፖለቲካ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ከምዝካየድ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ሕፁያት ውልቀ ተወዳደርቲ ዝምዝገቡሉ ዕለት እውን ኣብ ቐፃሊ ከምዝግለፅ ኣመኺቱ።
ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኣብቲ ሓፈሻዊ መረፃ ንዝወዳደሩ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ዘቕረቦ ፃውዒት እቲ ቦርድ ብዝገለፆ ሲስተም ተጠቒሞም ሕፁያቶም ከመዝግቡ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ፀዊዑ።
መስርሕ ምዝገባ ንምክያድ ዘድሊ ሓበሬታ ብምምላእ ብኣካል ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት እቲ ቦርድን ብመንገዲ እቲ ውድብ ኣቐዲሙ ብዝወከሎ/ላ ኣካልን ካብ 8 ክሳብ 23 ሕዳር 2018 ዓ/ም ብኣካል ብምርካብ ነቲ ሰነዶም ከቕርቡ ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ቦርድ መረፃ፤ ፖለቲካዊ ውድባት ነዞም ቅጥዕታት ኣብ https://nebe.org.et/en/node/725 ክረኽብዎም ከምዝኽእሉ እውን ኣመላኺቱ።
ኣብ መበል 6ይ ሓፈሻዊ መረፃ ዝተወዳደሩ ፖለቲካዊ ውድባት ዝተጠቐምዎም መወዳደሪ ምልክታት ን7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ናይ ምጥቃም ቀዳምነት መሰል ከምዘለዎም እቲ ቦርድ ኣፍሊጡ።
ብተወሳኺ ፖለቲካዊ ውድባት ምስ ጠለባት ሕጊ ዝስማዕማዕ ናይ ባዕሎም ምልክታት ከቕርቡ ከምዝኽእሉ ወይ ድማ ከም ኣማራፂ ካብቲ ቦርድ ዝህቦ ዝርዝር ምልክታት ብኣካል ምስቲ ቦርድ ብምቕራብ ክመርፁ ከምዝኽእሉ እውን ኣመላኺቱ።
ምዝገባ ውልቀ ሕፁያት እቲ ቦርድ ብዝገለፆ መተግበሪ ከምዘሳልጥን ዝጅምረሉ እዋን ኣብ ቐፃሊ ከምዘፍልጥን እቲ ቦርድ ኣፍሊጡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም