መንግሥቲ ፌዴራል ናብ መንበሪና ንክንምለስ ዋላ ኳ ተደጋጋሚ ፃዕሪ እንተገበረ ነበር ህወሓት ግና ዕንቅፋት ኮይኑ - ኢዜአ ትግርኛ
መንግሥቲ ፌዴራል ናብ መንበሪና ንክንምለስ ዋላ ኳ ተደጋጋሚ ፃዕሪ እንተገበረ ነበር ህወሓት ግና ዕንቅፋት ኮይኑ
ሽረ እንዳስላሰ/ሕዳር 8/2018(ኢዜኣ) መንግሥቲ ፌዴራል ናብ መንበሪና ንክንምለስ ዋላ ኳ ተደጋጋሚ ፃዕሪ እንተገበረ ነበር ህወሓት ግና ዕንቅፋት ኮይኑና ክብሉ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ተዛሪቦም።
ኣብዚ ጉዳይ ቅድሚ ሕዚ መብራህርሂ ዝሃቡ ነበር ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ኣይተ ጌታቸው ረዳ፤ ተመዛበልቲ ናብ መንበሪኦም ንከይምለሱ ኣብቲ ክልል መጥቀሚ ፖለቲከኦም ዝገብሩ ኣካላት ከምዘለዉ ምግላፆም ዝዝከር እዩ።
ተመዛበልቲ ናብ መንበሪኦም ከይተመለሱ በቢ መፅለሊኦም ንፀገም እናተቓልዑ ምዃኖምን ምኽንያት እዚ ፀገም ድማ ኣመራርሓ ነበር ህወሓት ምዃኖምን ሪፖርተር ኢዜኣ ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ዘዘራረቦም ተመዛበልቲ ገሊፆም።
መንግሥቲ ፌዴራል ናብ መንበሪና ንክንምለስ ዋላ ኳ ብተደጋጋሚ እንተገለፀ ኣመራርሓ ነበር ህወሓት ግና ዕንቅፋት ብምዃኖም ክሳብ ሕዚ ክዕወት ኣይከኣለን ኢሎም።
እቶም ተመዛበልቲ ንዓመታት ኣብ ውሽጢ መፅለሊ ንፀገም እናተቓላዕና ኢና ንርከብ ክብሉ እውን መረረቶም ተዛሪቦም።
ቅድሚ 5 ዓመት ምስ 5 ደቆም ካብ ወልቃይት ተፈናቒሎም ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ቤት ትምህርቲ”ዓዲ ከንቲባይ”ተፀሊሎም ዝርከቡ ኣይተ ኣንበሳ በርሀ፤ ክንምለስ ኢና ዝብል ተስፋ ሒዝና ዋላ ኳ ንዓመታት ትፅቢት እንተገበርና ተግባራዊ ምላሽ ግና ስኢንና ኢና ኢሎም።
ኣብዚ ጉዳይ መንግሥቲ ፌዴራል ፅኑዕ ቅዋም ሒዙ እናሰርሐ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና ዝበሉ ኣይተ ኣንበሳ፤ ጉዳይ ምምላስ ተመዛበልቲ ብምኽንያት ኣመራርሓ ነበር ህወሓት ፈተና ኮይኑና ክብሉ እውን ሓቢሮም።
ስለዝኾነ እውን ካብቲ ዘለናዮ ፀገምን ስቓይን ወፂእና ናብ መንበሪና ንክንምለስ ሕዚ እውን ደገፍ መንግሥቲ የድልየና እዩ ኢሎም።
ተመዛባሊት ወ/ሮ ልእልቲ ብግደአን፤ ን5 ዓመታት ካብ ገዛኻ ወፂእኻ ኣብ መፅለሊ ምንባር ክንደይ ዝኣክል ከቢድን ዋጋ ዘኽፈለንን ምዃኑ ብምግላፅ ድሕሪ ሕዚ ይኣኽለና እዩ መልሱና ኢለን።
ኣብዚ መፅለሊ ካምፕ ዝረኸብናዮም ኣይተ ሃፍቶም ገ/ክርስቶስ፤ ኣብ መፅለሊ ንዓመታት ዝበፅሐና ምንግልታዕን ፀገምን ይኣኽና እዩ፤ መፍትሒ ንደሊ ኢና ክብሉ ተዛሪቦም።
ኩላትና ናብ መንበሪና ንክንምለስ ብመንግስቲ ፌዴራል ዝቐርብ ተደጋጋሚ ፃውዒት ተቐባልነት ክረክብ ከምዘለዎ ብምሕባር፤ እቶም ተመዛበልቲ ኣብ መፅለሊ ንዓመታት ሂወት ስቓይ ይኣኽለና ናብ መንበሪና ንመለስ ብምባል ሓቲቶም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ኩሎም ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቦም ዝሃብዎም መብራህርህታት፤ ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ልምዓትን እዩ ዝደሊ፣ተመዛበልቲ እውን ቅድሚ ኩሉ ናብ መንበሪኦም ክምለሱ ኣለዎም ብምባል ተደጋጋሚ ምዝራቦም ዝዝከር እዩ።