ሰብ ሃፍቲ ሳዑዲ ኣረቢያ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዝፈጠሮ ምችው ኩነታት ተጠቒሞም ኣብ ዓውዲ ንግድን ኢንቨስትመንትን ንክዋፈሩ ፃውዒት ቀሪቡ - ኢዜአ ትግርኛ
ሰብ ሃፍቲ ሳዑዲ ኣረቢያ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዝፈጠሮ ምችው ኩነታት ተጠቒሞም ኣብ ዓውዲ ንግድን ኢንቨስትመንትን ንክዋፈሩ ፃውዒት ቀሪቡ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር /25/2017 (ኢዜኣ) ሰብ ሃፍቲ ሳዑዲ ኣረቢያ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዝፈጠሮ ምችው ኩነታት ተጠቒሞም ኣብ ዓውዲ ንግድን ኢንቨስትመንትን ንክዋፈሩ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወጻኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኣምባሳደር ምስጋኑ ምስ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ንግዲ ሙሀመድ ቢን ሙጃብ አል- ሁዋይዚን ሓለፍቲ ስራሕ በዓል መዚ ንግዲ ወፃኢን ሳዑዲ ዘትዮም።
እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻደ ፎረም ቢዝነስ ኢትዮጵያን ሳዑዲ ኣረቢያን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ንምጥንኻር ሰረት ዘንበረ እዩ።
ኢትዮጵያ ተግባራዊ ትገብሮ ዘላ መመሓሽታት ኢኮኖሚ ንንግድን ኢንቨስትመንትን ወፃኢ ምችው ኩነታት ከምዝፈጥር ብምሕባር፤ ሰብ ሃፍቲ ሳዑዲ ኣረቢያ እዚ ዝተፈጠረ ምችው ኩነታት ተጠቒሞም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ንግድን ኢንቨስትመንትን ንክዋፈሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ሳዑዲ ኣረቢያ ብግደኦም፤ እቲ ዑደት መርኣያ ጥንካረ ታሪኻውን ስትራቴጂካውን ርክብ ክልቲአን ሃገራት እዩ ኢሎም።
ትካላት ንግዲን ሰብ ሃፍትን ሳዑዲ ኣረቢያ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ምችው ዕድል ተጠቒሞም ኣብ ዓውድታት ግብርና፣መዓድንን ካልኦትን ንክዋፈሩ ደገፍ ከምዝገብሩ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።