ኣብ መወዳእታ በጀት ዓመት ዝፍፀሙ ዕድጊታት ንምትራፍ ዘኽእል ኣሰራርሓ ተግባራዊ ክግበር ኢዩ

138

 

ኣዲስ ኣበባ / ግንቦት /25/ 2015 (ኢዜአ)ኣብ ትካላት መንግስቲ ኣብ መወዳእታ ርብዒ ዓመት ዝፍፀሙ ዕድጊታት ንምትራፍ ዝሕግዝ ኣሰራርሓ ካብ ዝቅፅል ዓመት ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝግበር በዓል መዚ ዕድጊት ንብረት መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ኣይተ ሓጂ ኢብሳ፥ ትካላት ዝፍፅምኦ ዕድጊት ብኣብዝሓ ትልሚ ዘይብሉን ኣብ ራብዓይ ርብዒ ዓመት ትኹረት ዝገበረ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ትካላት እንታይ፣ ካበይ፣ መዓዝ፣ ክገዝኣ ኣለወን? ከይዲ እቲ ጨረታ ከመይ ክኸዉን ኣለዎ? ኣብ ዝብልን ተሊምካ ኣብ ምስራሕን ሰፊሕ ክፍተት ከምዝርአ ኣረዲኦም፡፡

ምስ ስልጠናታት ብዝተተሓዘ እዉን ትካላት መርሃ ግብሪ ስልጠና ኣብ በጀት ዓመት መጀመሪያ ወይድማ ሓምለ፣ ነሓሰን መስከረምን ምድላዋት ምግባር እናተገበአን ኾይኑ ግና እናተኻየደ ከምዘይኾነ ሓቢሮም፡፡

65 ሚኢታዊ ዝኸዉን በጀት እዛ ሃገር ኣብ ዕዲጊት ዝዉዕል ምዃኑ ብምግላፅ፣እቲ በጀት ኣብ ትልሚ ተመስሪቱ ብኣግባቡ ኣብ ጥቅሚ እንተዘይዊዒሉ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ዘብፅሖ ጉድኣት ልዑል ምዃኑ ከምዝገለፁ ግዜኢ ፀብፂቡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም