ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ካብ ዕዳ ታክሲ ልዕሊ 40 ቢሊየን ብር ኣታዊ ተኣኪቡ

91

 

ኣዲስ ኣበባ / ግንቦት/25/ 2015 (ኢዜአ)ካብ ዕዳ ታክሲ ኣብ 10 ኣዋርሕ ውሽጢ ልዕሊ 40 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝተኣከበ ሚኒስቴር እቶት ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ቤት ዕዮ ኣብ ዉሽጢ ዓሰርተ ኣዋርሕ ካብ ዕዳ ታክሲ ንምእካብ ካብ ዝተተለመ 30 ነጥቢ 39 ቢሊየን ብር ዉሽጢ 40 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ምእካብ ከምዝተኸኣለ ዳይሬክተር ዕዳ ታክስ ሚኒስቴር እቶት ኣቶ ቢራራ ልጥገብ ገሊፆም፡፡

ካብ ዕዳ ታክስ ዝእከብ ኣታዊ ካብ ዓመት ዓመት ዕብየት እናርኣየ ምምፅኡ ዝገለፁ እቶም ዳይሬክተር እቲ ዝተመዝገበ ኣፈፃፅማ ብመንፅር ዝሓለፈ ዓመት እንትርአ ናይ 9 ነጥቢ 14 ቢሊየን ብር ዕብየት ከምዘለዎ ገሊፆም፡፡

እቲ ሚኒስቴር ኣብዚ በጀት ዓመት 37 ነጥቢ 93 ቢሊየን ብር ንምእካብ ተሊሙ እናሰርሐ እንትኸዉን፤ ክእከቡ ዝግበኦም ዕዳታት ናብ ቀፃሊ ዓመት ንከይሳገሩ ኣብ ዝተሰርሐ ስራሕ እቲ ዓመት ቕድሚ ምዝዛሙ ትልሙ ከሳኽዕ ከምዝኸኣለ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም