ልኡኽ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣብ ቻይና ዕላዊ ዑደት ስራሕ እናገበረ ይርከብ

74

 

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 25/2015(ኢዜኣ) ጉጅለ ልኡኽ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣብ ቻይና ዕላዊ ዑደት ስራሕ እናገበረ ይርከብ።

ዑደት እናገበሩ ዝርከቡ መምርሒ ማርኬቲንግን ኮሙዩኒኬሽንን ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስት ምስ ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ኮርፖሬሽን ኮይኖም እዮም።

ኣብቲ ዑደት፤ ሰብ ሃፍቲ ቻይናውያን ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ብዝበለፀ ኢንቨስት ንምግባር፣ሓፈሻዊ ስራሕቲ ምምሕያሽ ፖሊሲ ኢኮኖሚ መንግስትን ዘለው ምችዋት ኩነታት ኢንቨስትመንትን ብዝምልከት ምስ ሰብ ሃፍቲ ዘተ እረናተገበረ ምዃኑ ተገሊፁ።

ልኡኽ እቲ ኮርፖሬሽን፤ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ዝጎብነየ እንትኸውን ምስ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ተፈራ ደርበው ብዛዕባ ስራሕቲ ምልመላ ኢንቨስትመንትን ናይ ቀፃሊ ኣንፈታት ትኹረትን ዘተ ኣካይዱ።

ሓላፊ ማርኬቲንግን ኮሚኚዩኬሽንን እቲ ትካል ኣይተ ዘመን ጁነዲንን ልኡኻት እቲ ጉጅለን ብዛዕባ ሓፈሻዊ ስራሕቲ ሪፎርምን ምንቅስቓስን እቲ ኮርፖሬሽን ከምኡ እውን ኢንቨስትመንት ወፃኢ ንምስሓብ ኣብ 9 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2015/ ዝተገበሩ ምድላዋትን ንኢንቨስተራት ዝተዳለዉ ምቹው ኩነታትን ኣመልኪቶም መብራህርሂ ሂቦም።

እቲ ልኡኽ ኣብ ፃንሒቱ፤ ዝተፈላለዩ ፓርክታት ኢንዱስትሪ፣ነፃ ዞባታት ንግድን ቦታታት ኢንቨስትመንትን ከምዝጉብንይ ካብ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም