ኣብ ዞባ ደቡብ ኦሞ ስፍራታት መስሕብ ካብ ዝጎብነዩ ቱሪስትታት ልዕሊ 17 ሚልዮን ብር ኣታዊ ተረኺቡ

61

 

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 23/2015 (ኢዜኣ) ኣብ ዞባ ደቡብ ኦሞ ንዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ስፍራታት መስሕብ ካብ ዝጎብነዩ ቱሪስትታት ልዕሊ 17 ሚልዮን ብር ኣታዊ ከምዝተረኸበ መምርሒ ባህልን ቱሪዝምን እቲ ዞባ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣታዊ ዝተረኸበ ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ስፍራታት ቱሪዝም ካብ ዝጎብነዩ ልዕሊ 150 ሽሕ ቱሪስትታት ውሽጢ ዓድን ወፃእን ምዃኑ እቲ መምርሒ ሓቢሩ።

ኣብቲ መምርሒ መራሒ ጉጅለ መፅናዕቲ ፕሮጀክትን ምትእልላሽ ዕዳጋን ኣይተ ሞጎስ ኣየለ ከምዝበልዎ፤ እቲ ዞባ ቱሪስትታት ክጉብንይዎም ዝኽእሉ ብዙሓት ባህላዊ፣ታሪኻውን ተፈጥሮኣውን ስፍራታት መስሕብ ዝርከብሉ እዩ።

ካብቶም መስሕብ ቱሪስት ዝኮኑ ፀጋታት ባህላዊ መመላኽዕታት፣ኣከዳድናን ሜላታት መሐለዊ መልክዕን፣ጭፈራ ምሸት ኢቫንጋዲ፣ኣብ እዋን መርዓ ጥንካረ ንምግላፅ ዝግበር ከይድታት ዝላ ኸፍቲ ከም ዝርከብዎም ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም